Eritrean National Basketball Federation-ENBF

Eritrean National Basketball Federation-ENBF

Share

Official account of the Eritrean National Basketball Federation

Photos from Eritrean National Basketball Federation-ENBF's post 10/09/2025

ገዲም ተጻዋታይ ኲዕሶ ሰኪዔት ኤርትራ ኣቶ ፍሰሃየ ሃብተሚካኤል ካብ ሃገረ ነርወይ ኣብ 1976 ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ ሰኪዔት ኤርትራ ዝጻወተላ ዝነበረ ታሪኻዊት ማልያ ን49 ዓመታት ተዓቂባ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንሃገራዊ ፈደሬሽን ኲዕሶ ሰኪዔት ኣረኪብዋ።

Photos from Eritrean National Basketball Federation-ENBF's post 07/09/2025

🏀✨ Double Glory for Team Maekel! ✨🏀
🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷
History has been made! Team Maekel has secured a significant victory, becoming the 2025 Eritrean Basketball Champions 🏆 in both the men’s and women’s divisions.

This triumph is a testament to hard work, teamwork, and unstoppable spirit. A true showcase of excellence on the court and pride for the region.
🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀🏀
🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

Photos from Eritrean National Basketball Federation-ENBF's post 06/09/2025
Photos from Eritrean National Basketball Federation-ENBF's post 06/09/2025

PHOTOS - ERITREAN NATIONAL BASKETBALL CHAMPIONSHIP 2025
🏀🏀🏀🏀🏀🏀🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

Photos from Eritrean National Basketball Federation-ENBF's post 03/09/2025

ሓጺር ጸብጻብ ሻምፕዮን ኩዕሶ ሰኪዔት 2025 🏀 🏀 🏀
ሃገራዊ ውድድር ኲዕሶ ሰኪዔት ኤርትራ 2025 ብውዕዉዕ ስፖርታዊ ህልኽልን ጭውነትን ይቕጽል ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ ጸወታታት ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ውጽኢት ከም’ዚ ዝስዕብ ይመስል። ኣብ ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮ ነፍስ-ወከፍ ጋንታ 4 ጸወታታት ከተካይድ እንከላ፡
ጋንታታት ዞባ ማእከልን ደንደን ሚ/ምክልኻልን ማዕረ 8 ነጥቢ ብምምጻእ ክመርሓ እንከለዋ፡ ጋንታ ደንደን ሚ/ምክልኻል ብ280 ጸብለልታ ሸቶ ቀዳመይቲ ኰይና ትመርሕ ኣላ። ጋንታ ዞባ ማእከል ብ251 ጸብለልታ ሸቶ ካልኣይቲ ጋንታ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ከኣ ብሽዱሽተ ነጥቢ ሳልሰይቲ ኰይነን ይስዕባ ኣለዋ።
ዓንዶም ኣበበ ካብ ጋንታ ደንደን ሚ/ምክልኻል 144 ሸቶታት ብምምዝጋብ ቀዳማይ ኰይኑ ክመርሕ ኣንከሎ፡ ሙሴ ጸጋይ ካብ ጋንታ ዞባ ማኣከል ብ113 ሸቶታት ካልኣይ ብምዃን ይስዕቦ ኣሎ። ናሆም ተኪአ ካብ ጋንታ ደንደን ሚ/ምክልኻል ከኣ ብ101 ሸቶታት ናይ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ንዝወሃብ መድረኽ ይመራርሕሉ ኣለዉ።
ኣብ ነፍስ-ወከፍ ጸወታ ብዘርኣይዎ ብሉጽ ብቕዓት፡ ዓንዶም ኣበበ ካብ ጋንታ ደንደን ሚ/ምክልኻልን ኤቨን ዘርኡ ካብ ጋንታ ዞባ ማእከልን ከክልተ ግዜ ወርቂ መዳልያ ብምሽላም ብብዝሒ መዳልያታት ንናይ ብሉጽ ተጻዋታይ ደረጃ ይመርሑ ኣለዉ።
ኣብ ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ምስ እንርእይ፡ ጋንታ ዞባ ማእከል ኣብ ሓሙሽተ ጸወታታት ብዘዋህለለቶ 9 ነጥቢ ቀዳመይቲ ኰይና ክትመርሕ እንከላ፡ ጋንታ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብተመሳሳሊ ሓሙሽተ ጸወታታት ብምክያድ ብ8 ነጥቢ ካልኣይቲ ኰይና ትስዕብ ኣላ። ጋንታት ደንደን ሚ/ምክልኻል ከኣ ኣብ ሰለስተ ጸወታታት ብዘዋህለለቶ 6 ነጥቢ ሳልሰይቲ ኰይና ክትስዕብ እንከላ ደረጃኣ ንምምሕያሽ ክልተ ተወሳኺ ጸወታታት ይጽበያ ኣሎ።
ሰፋእ ሸሪፍ ካብ ጋንታ ዞባ ዓንሰባ 82 ሸቶታት ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ኣበዝጋቢት ሸቶ ኰይና ትመርሕ ኣላ። ፍረወይኒ ተስፋይ ካብ ጋንታ ዞባ ማእከል ብ72 ሸቶታት ከም’ኡ’ውን ዮሃና ጸጋይ ካብ ጋንታ ጋሽ-ባርካ ብ49 ሸቶታት ካልኣይትን ሳልሰይትን ኰይነን ይስዕባኣ ኣለዋ።
እዚ “ቅነ ዓቢ ኲባዕ ንሃገራዊ ውድድር ኲዕሶ ሰኪዔት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ ዕለት 30/08/2025 ጀሚሩ ብውዕዉዕ ስፖርታዊ ህልኽን ጭውነትን ዝሰላለስ ዘሎ ሃገራዊ ውድድር ኲዕሶ ሰኪዔት 2025፡ ብድሙቕ ስምዒት ደገፍቲ ተኸቢቡ ክሳዕ ሰምበት 7/09/2025 ኣብ ሜዳታት ቦቾፊላን መዓስከር ደንደንን ክቕጽል እዩ።
ንድምቀትን ውህደትን ናይ’ዚ ሃገራዊ ውድድር ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ፈደሬሽን ኲዕሶ ሰኪዔት ኤርትራ ንኤርትራውያን ወጻእተኛታት (ድያስፖራ) መደብ ሰሪዑ ኣብ’ዚ ውድድር ንኽሳተፉ ከም መደብ ሰሪዑ ኣሎ። ስለዚ ኣብ’ዚ ውድድር ክሳተፍ ዝደልይ ኣባል ድያስፖራ ኣብ ቤት/ጽሕፈት ሃ/ፈ/ኲ/ሰ/ኤርትራ መጺኡ ንኽምዝገብ ጻውዒት የቕርብ።
ዓወት ንሓፋሽ!!
ህዝባዊ ርክባት ሃ/ፈ/ኲ/ሰ/ኤርትራ

Photos from Eritrean National Basketball Federation-ENBF's post 03/09/2025

The Eritrean National Basketball Championship 2025 is underway at Bochefilla and Denden Courts.
🏀
Six regions and the Denden team from the Ministry of Defence are competing in both men’s and women’s categories. Fans are enjoying exciting and competitive games every day.

29/08/2025

ሃገራዊ ውድድር ኵዕሶ ሰኪዐት ክካየድ’ዩ
ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ ሰኪዐት ኤርትራ፡ “ቅነ ዓቢ ኵባዕ ንሃገራዊ ውድድራት ኵዕሶ ሰኪዐት፡
” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዘዳለዎ ሻምፕዮን ሃገራዊ ውድድር ኵዕሶ ሰኪዐት 5X5 ኣብ ሜዳ
ቦቾፊልያን መዓስከር ደንደንን ክካየድ እዩ።
ኣብዚ ካብ ቀዳም 30 ነሓሰ ክሳዕ 7 መስከረም ኣብ ሰዓታት ቅ/ቀ ዝካየድ ውድድር
ኵዕሶ ሰኪዐት፡ ንኽልተኡ ጾታ ዝውክላ፡ ካብ ሽዱሽቲአን ዞባታት ሃገርና ዝመጽኣ ጋንታታት
ከምኡ’ውን ንሚኒስትሪ ምክልኻል ትውክል ጋንታን ክሳተፍኦ ምዃነን ህዝባዊ ርክባት
ፈደረሽን ኵዕሶ ሰኪዐት ኤርትራ ሓቢሩ።
ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ ሰኪዐት ኤርትራ ነዚ ጽባሕ ቀዳም ካብ 8፡30 ቅ/ቀ ኣብ ሜዳ
ቦቾፊልያ ዝፍልም ሃገራዊ ውድድር ኵዕሶ ሰኪዐት፡ ኵሉ ኣፍቃሪ ስፖርት ክከታተሎ
ብኽብሪ ይዕድም
Eritrean National Basketball Federation-ENBF

Want your business to be the top-listed Gym/sports Facility in Asmara?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Website

Address

Eritrea
Asmara