ውዕሎ ናይ ትማሊ ውድድር ብ Tigrai Television ፅጋቡ ዘፈሩ
Mesfin Cycling Team Ethiopia
Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Mesfin Cycling Team Ethiopia, Sports, Mekelle.
🔥🔥🔥
10/05/2026
10/05/2026
🥇🥈🥉 መስፍን ብረታ ብረት ኢንጅነሪንግ ተዓዊተን 🔥
▬▭▬▭▬▭▬▭▲▭▬▭▬▭▬▭▬▭▬
ሎመዓንቲ ዕለት 02/09/2018 ዓ/ም ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ዓመታዊ ሻምፒዮና ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ መስመር ዓዲሓውሲ ዙር ውድድር ብሽክሌታ ኮርስ ደቂ ኣነስትዮ ተቀዳደምቲ ጋንታና መስፍን ብረታ ብረት ኢንጅነሪንግ🥇🥈🥉 ብምእታው ብፀብለልታ ብዓወት ጋንታና 🥇መስፍን ብረታ ብረት ኢንጅነሪንግ ተዛዚሙ።
🥇ራሄል ታመነ መስፍን ብረታ ብረት ኢንጅነሪንግ
🥈ፃድቃን ገ/መድህን መስፍን ብረታ ብረት ኢንጅነሪንግ
🥉ምዕራፍ ገ/ሄር መስፍን ብረታ ብረት ኢንጅነሪንግ
🔥 ብጋንታ ጠቕላላ ድምር ነጥቢ
🥇 መስፍን ብረታ ብረት ኢንጅነሪንግ
👏💪 ኮሪዕናልክን ዋዕሮታት
03/05/2026
ፕሮፌሽናል ንእስቲ ብሽክሌተኛ ፅጌ ካሕሳይ፡ኣብ ቱር ግራሲያ ኦርሎቫ ብዓቐበት ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ቱራ ዛዚማ።
ዝሓለፈ ሓሙስ ዝጀመረ ቱር ግሪሲያ ኦርሎቫ 2026፡ ሓደ ውድድር ውልቀ ስዓት ዝሓወሰ ሓሙሽተ መድረኻት ዝተኣናገደ ኾይኑ፡ ሎሚ ሰንበት 25 ሚያዝያ መወዳእታን ሓምሻይን መድረኹ ብምክያድ ተዛዚሙ።
መዛዘሚት መድረኽ 101.6 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነት እንትኾን ብሽክሌተኛ ሶፍያ ኡንጌሮቫ እንትትዕወተላ፡ ትግራወይቲ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ጀርመናዊት ጋንታ ካንዮን ስራም ብሽክሌተኛ ፅጌ ካሕሳይ መበል 76 ደረጃ ብምሓዝ መድረኻ ፈፂማ።
425.7 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝቆራረፀ እዚ ቱር ብሓፈሻዊ ውፅኢት ሓሙሽተ መድረኻት፡ ብስዓት ማለት'ውን ቢጫ ማልያ ብሽክሌተኛ ያስሚን ሊቸቲ ተዓዋቲት እንትኾን፡ ብሽክሌተኛ ፅጌ ካሕሳይ መበል 61 ደረጃ ብምሓዝ ቱራ ዛዚማ።
ንግስቲ ዓቐበት ንምዃን ኣብ ዝተገበረ ንሕንሕ ኡርስዙላ ሲፕኮ ተኸዳኒት ነጠብጣብ ማልያ እንትኾን፡ ፍርያት ጋንታ ሓፂነ መፂንን ኢንጅነሪንግን መስፍን ብሽክሌተኛ ፅጌ ካሕሳይ ክሳብ መወዳእታ ምስ ኡርስዙላ ተናሓኒሓ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።
ካብ ከተማ ዓዲጉደም ዝተረኸበት ንእስቲ ብሽክሌተኛ ፅጌ ካሕሳይ፡ ፕሮፌሽናል ተወዳዳሪት ኣብ ዝኽነትሉ ዓመት ተስፋ ወሃቢ ምንቅስቓስ ኣብ ምክያድ ትርከብ።
# ዮናስ ፍቓዱ
🥇🥈🥉👑✌️
Afi Pink
Rahel Tamenne
03/05/2026
Click here to claim your Sponsored Listing.