አሃዱ ስፖርት ክለብ Ahadu Sport Club - A.S.C

አሃዱ ስፖርት ክለብ Ahadu Sport Club - A.S.C

Share

Welcome to the official page of Ahadu Football Club.

Photos from አሃዱ ስፖርት ክለብ Ahadu Sport Club - A.S.C's post 30/11/2025

Effective Sunday Get Together💯✈️💦💧💚🤩🤩🤩

⚡️

🌱

Let's Go Ahadu🔥🔥🔥💪💪💪

24/11/2025

ድሕሪ ዓወት🔥🔥🔥

Winning Mentality💯

Let's Go Ahadu💪🥇🏆

Photos from አሃዱ ስፖርት ክለብ Ahadu Sport Club - A.S.C's post 16/11/2025

ዜና ዓወት 🔥🩵⚽️

ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ፀወታ ዓይደር ካፕ ትሳተፍ ዘላ ጋንታና ጋንታ ኣሃዱ ኣብ ልዕሊ ጋንታ ማርስ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊባ።

ሎምዓንቲ ሰንበት ሕዳር 7/2018 ዓ.ም ቀፂሉ ኣብ ዝወዓለ ፀወታ ዓይደር ካፕ ምስ ጋንታ ማርስ ዝገጠመት ጋንታ ኣሃዱ ብሽቶታት ሓለቓ ጋንታ ኣሃዱ ኣሮንን ሃፍቶምን 2 - 0 ክትዕወት ክኢላ እያ።

ኻልኣይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ሎምዓንቲ ዘሳለጠት ጋንታ ኣሃዱ ዝሓለፈ ቀዳም ጥቅምቲ 22/2018 ዓ.ም ፈላማይ መኽፈቲ ፀወታኣ 'ውን ኣብ ልዕሊ ጋንታ ሓሚዳይ ፍርቂ ደርዘን ሽቶ ብምቑፃር 6 - 0 ምስዓራ ዝዝከር እንትኾን...
ሃፍቶም 3 ሽቶ
ያሬድ 2 ሽቶ
ኤልያስ 1 ሽቶ ዘቑፀሩ ተፃወቲ ነይሮም።

ብዚ መሰረት ጋንታና ጋንታ ኣሃዱ ንምድባ ብ6 ነጥብን ብ8 ፅሩይ ሽቶን 1ይ ኾይና ኣብ ምምራሕ ትርከብ።

ተፃዋቲ ጋንታና ሃፍቶም ድማ ብ4 ሽቶታት ኾኾብ መቑፀሪ ሽቶ ኾይኑ ኣብ ምምራሕ ይርከብ።

02/11/2025

ኣብ 2019 ዓ/ም ንዝካየድ ኦሎምፒክ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ትግራይ ክተዳሉ ከምዝተመረፀት ፕረዝደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ወ/ጊዮርግስ ሓቢሮም።

ተተካኢ ስፖርተኛ ንክበራኸት ዕላምኡ ገይሩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ተተካኢ ስፖርተኛ ንኽፈሪ ውድድር ኦሎምፒክ መናእሰይ በብዓመቱ ንምክያድ ከምዝተሓሰበ ዝገለፁ ፕረዝደንት እቲ ኮሚቴ ዶ/ር ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስ እቲ ኸይዱ ኸይዱ ጠጠው ዝብል ስፖርት ንምንቅቓሕ ኣብ ተተካእቲ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ትግራይ ኣብ 2019 ዓ/ም መዳለዊት ኦሎምፒክ መናእሰይ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ኣተኣናጋዲት ሙዃና ድማ ሕጉሳት ኢና ኢሎም ፕረዝደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስ ።

ኣብ ካልኣይ ኦሎምፒክ መናእሰይ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ 2018 ፈላማይ ተሳትፎኣ ዝገበረት ሕርይቲ ጋንታ ትግራይ ብ10 ዓይነት ስፖርት ንምሳታፍ ዝለኣኸቶም ስፖርተኛታት ዕድሜኦም ነቲ ውድድር ዝምጥን ብምዃኑን ዘመዝገብዎ ውፅኢትን ኒኢዶም።

ኣብቲ ውድድር ምስ ዕድመ ተታሓሒዙ ዝለዓሉ ሕቶታት ከምዘለው ዝሓበሩ እቶም ፕረዝደንት እተን ልዕሊ 18 ዓመት ስፖርተኛታት ሒዘን ዝመፅኣ ክልላት ንሜዳልያ ኢለን እምበር ንረብሓ ስፖርተኛታት ከምዘይሓስባ ተዛሪቦም።

ብኹለመዳያዊ መዐቀኒ ኣብ 2019 ዓ/ም ዝካየድ ኦሎምፒክ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ትግራይ ክተዳሉ ከምዝተመረፀት እውን ፕረዝደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ደ/ር ኣሸብር ወ/ጊዮርግስ ገሊፆም ።

SHARE |

30/10/2025

"ካብዚኦም ንንመን ትዝክሩ???"

👉ቅድሚ 6 ዓመት ከምዛ ሎምዓንቲ ዕለት 20/02/2012 ዓ.ም ነይሩ ጋንታና ጋንታ ኣሃዱ ትሕቲ 13 ዓመት ሰገናት ተጫወቲ ሓቍፋ መስርሕ ዝጀመረት።

ኾይኑ ግና ከምዝፍለጥ ድሕሪ 4 ወርሒ ብሰንኪ ሕማም ኮረና ድሕሪ 1 ዓመት ድማ 2013 ዓ.ም ጥቅምቲ 24 ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ኩነታት ብዙሕ ስራሕ ከይተሰረሐሉን ርሑቕ ጉዕዞ ከይተጉዓዝናን እቲ መስርሕ ደው ኢሉ ነይሩ።

➡️ ሐዚ ግና ድሕሪ 6 ዓመት ጋንታና ብሓዱሽ መልክዕ ብትሕቲ 13 ዓመት ሰገናት ተጫወቲ ሓዊሱ ብዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ክልል ዳግማይ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

ትኺድ ከምኣ ኢላ🦋💙💚

SHARE |

28/10/2025

ቀፃሊ ጨዋታታት ዓይደር cup ዕለት 22/02/2018 እንትቅፅሉ

u10...ላይፍ A vs ላይፍ B 2:00
U10... ኣሃዱ vs ዳፍ 3:00 ንእሽተይ ሜዳ
u15...dave vc mg 2:00
u13.. ሃርመኒ vs ዊነር 3:00
u17.. ሓሚዳይ vs ኣሃዱ 4:00
ቀዳም ድሕሪ ሰዓት
u13... ሰላም vs ራ/ኣሉላ 7:30
u15...ሃርመኒ vs ሰላም 8:30
u17... ሰላም vs ላይፍ 9:30
ሰምበት ንጉሆ 23/02/2018
u10...ራእይ vs ሬድ ስታር 2:00
u10.. ሕውየት vs ማርስ 2:40 ንእሽተይ ሜዳ
u13..ራእይ vs ማርስ 2:00
u15...ራእይ vs ማ.መ.ት 3:00
u15...life B vs mars 4:30
u17... ሃርመኒ vs ቼንጅ 6:00

16/10/2025

ንዕብየት ባህሊ ኩዕሶ እግሪ
"ስፖርተኛ ወለዶ
ሐዚ ንውለዶ"

ብክፍለ ከተማ ዓይደር ዝዘጋጀ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ናይ ሓጋይ ውድድር ቀዳም ጥቅምቲ 15/2018 ዓ.ም ብድምቀት ክጅምር እዩ። ውድድር 1ዙር ዓይደር CUP ምድብ ነዚ ይመስል ፅቡቅ ዕድል ንጋንታና።

👉U17

Group A

1. Daf F.C
2. Spa F.C
3. Selam F.C
4. Black Star F.C
5. Life F.C

Group B

1. Mars F.C
2. Hamiday F.C
3. Harmeni F.C
4. Change F.C
5. Ahadu F.C
6. Mekelle Acadamy F.C

👉U13

Group A

1. Winner F.C
2. Raey F.C
3. Mars F.C
4. Shalom F.C
5. Harmony F.C

Group B

1. Ahadu F.C
2. Selam F.C
3. Raesi Alula F.C
4. Daf F.C
5. Na Hiruy F.C

👉U10

Group A

1. Raesi Alula F.C
2. Hwuyet F.C
3. Ahadu F.C
4. Daf F.C
5. Mars F.C
6. Shalom F.C

Group B

1. Raesi Alula F.C
2. Life A F.C
3. Life B F.C
4. N Hruy F.C
5. Red Star F.C
6. Raey F.C

👉U15

Group A

1. Life A F.C
2. Harmony F.C
3. Selam F.C
4. Mahber Menaesey F.C
5. Raey F.C

Group B

1. Winner F.C
2. Black Star F.C
3. King Power F.C
4. Ayder Project F.C
5. Shalom F.C

Group C

1. Life B F.C
2. Dev F.C
3. Mg F.C
4. Na Hruy F.C
5. Mars F.C

18/08/2025

ብድሙቕ መልክዑ ይቕፅል ኣብዘሎ 2ይ ዙር ክረምታዊ ውድድር ሪምና ሲቲ ካፕ ኣብ ፈላማይ ፀወታኣ ብጋንታ ሃርመኒ ስዕረት ድሕሪ ምትእንጋድ ኣብ ኻልኣይ ፀወታኣ ምስ ጋንታ ሰላም መዓረ ዝተፈላለየት ጋንታና ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣሃዱ ፅባሕ ሰሉስ 13-2017 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 4 ምስ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ብላክ ስታር ናይ ሞትን ሕየትን ፀወታኣ ክተሳልጥ እያ።

💙💚⚽️✊
💪💪💪

SHARE |

17/08/2025

ፀወታ ብናይ ሓበራዊ ውፅኢት 1-1 ተወዲኡ

17/08/2025

76 ደቒቓ ናይ ውፅኢት ለውጢ የለይ

ኣሃዱ 1 ሰላም 1

Want your business to be the top-listed Gym/sports Facility in Mekelle?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Category

Website

Address

Mekelle