ቀንዲ ትዕዝብትታት ሻብዓይ ሰሙን ኣቁጺሩ ዘሎ ግጥማት ፕረምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ
ማንቸስተር ሲቲ
ንሰርጅዮ ኣጉዌሮ ናብ ባርሰሎና ብናጻ መስርሕ ምስግጋር ዝኸሰረት ማን. ሲቲ፡ ንጃክ ግሪሊሽ 100 ሚልዮን ፓውንድ ብምኽፋል ናብ ስታድዩም እቲሓድ ከተሰጋግሮ በቂዓ እያ። ኣብዚ ሰዓት ሓደ ካብ ብሉጻት እናከፋፈሉ ዘጥቅዑ ተጻወትቲ ምዃኑ ዝእመነሉ ግሪሊሽ ፡ መስመር ምክፍፋል መጋጥምትኻ ምቁጻጻር ዝብል ፍልስፍና ኣሰልጣኒ ጓርድዮላ ብግቡእ ከተግብር ትጽቢት ይግበረሉ። ንካልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ጽዋእ ፕረምየር ሊግ ክትዓትር፡ ብተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ዓቢ ትጽቢት ተጌሩላ ዘሎ ሲቲ፡ ጎላት ኣጉዌሮ ክትክእ ዝኽእል ብሉጽ ኣጥቃዓይ ከተፈርም ዘይምኽኣላ ከቢድ ብድሆ ክገጥማ ምዃኑ ግን እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ይእምቱ።
ጎላት ናይ ምምዝጋብ ሓላፍነት ናብ ኣከፈፈልቲን ናይ ክንፊ ኣጥቃዕትን ኣውሪድዎ ዘሎ ጓርድዮላ፡ ን ኣርሰናልን ኖርዊችን ኣከታቲሉ 5ብ0 እኳ እንተረትዐን ብቶተንሃም 1ብ0 ክርታዐ እንከሎ ኣብ ሜዳኡ ውን ብሳውዛምፕተን ማዕረ ክፈላለ ተገዲዱ እዩ። ኣብ ሜዳኣ ን ሳውዛምፕተን ሸቶ ከተመዝግበላ ዘይምኽኣላ ሓደ ካብቲ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ዘለዋ ሃጓፍ ዘርኢ እዩ። ሲቲ ኣብ ክራማት 127 ሚልዮን ፓውንድ ብምስላዕ ንብሉጽ እንግሊዛዊ ኣጥቃዓይ ክለብ ቶተንሃም ሃሪ ኬይን ከተፍርም ኣብ ድርኩዂት በጺሓ እኳ እንተነበረት፡ ዋና ኣካያዲ ክለብ ቶተንሃም ዳኒ ሊቫይ ግን ብትሕቲ 150 ሚልዮን ፓውንድ ክለቆ ፍቃደኛ ኣይነበረን። ናይ ጎል ማሽን ሙዃኑ ዝእመነሉ ከይን፡ነቲ ኪኖ ፕረሜር ሊግ ፣ ጽዋእ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይ ምዕታር ጥሙሕ ዘለዎ ፐፕ ጓርድዮላ፡ ቀላሲ መስመር ምጥቃዑ ኮይኑ ነታ ኣብ 2011 ምስ ባርሴሎና ዝዓተራ፡ ምስ ካልእ ጋንታ ግን ክዓትራ ዘይከኣለ ዘሎ ጽዋእ ናብ እቲሓድ ከምጽእ ልዑል ተስፋ ተነቢሩሉ ኔሩ እዩ። ማንቸስተር ሲቲ ብዘይ ወሳኒ ኣጥቃዓይ ሕጂ ውን ኣብ ግጥማት ቻምፕዮንስ ሊግ ከቢድ መሰናኽል ከጋጥማ ከም ዝኾነ ተንተንቲ ይሕብሩ።
ማን ሲቲ ክሳብ ሕጂ ኣካይዳቶ ካብ ዘላ ግጥማት ፕረሜር ሊግ
ቶተንሃም 1-0 ማን ሲቲ
ማን ሲቲ 5-0 ኖርዊች ሲቲ
ማን ሲቲ 5-0 ኣርሰናል
ሌሰስተር 0-1 ማን ሲቲ
ማን ሲቲ 0-0 ሳውዛምፕተን
ቸልሲ 0-1 ማን ሲቲ
ሊቨርፑል 2-2 ማን ሲቲ
ትማሊ ሰንበት 3 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ሊቨርፑልን ማን ሲቲን ፡ ዝበለጸ ግጥም ናይዚ ሓድሽ ወቅቲ ተሰምዩ ኣሎ። ሲቲ ዋላ’ኳ ንጸወታ እንተዓብለለት ፡ ብዘለዉዋ ብሉጻት ኣጥቃዕቲ ሸቶ ንምምዝጋብ ጸወታ ምቁጽጻር ዘየድልያ ሊቨርፑል፡ ሳይዶ ማነ ከምኡ ውን መሓመድ ሳላሕ ብዘመዝገብወን ክልተ ብሉጻት ጎላት ክልተ ግዜ ክትመርሕ ክኢላ ነይራ እያ። መሳጢ ምንቅስቃስ ዘርኣየ ፊል ፎደን ከምኡ ውን ኮኾብ ኣከፋፋሊ ኬቨን ደ ብሩይነ ንማን ሲቲ ነጥቢ ክትማቀል ዘኽኣለኣ ክልተ ጎላት ድሕሪ ምምዝጋቦም ጸወታ ብናይ ሓባር ዓወት 2-2 ተዛዚሙ። ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣብ ጥርዙ በጺሑ ዝርከብ ህልኽ እዘን ክልተ ጋንታታት ፡ ሎሚ ውን ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክቅጽል ምዃኑ ዘመስከረ ብሉጽ ጸወታ።
ኣብ ክራማት 2016 ኣብ ከተማ ማንቸስተር እግሩ ዘንበረ ፐፕ ጓርድዮላ፡ ን ማን ሲቲ ኣብ ልዕሊ ታሪኻዊት መተሃላልኽታ ማን ዩናይትድ ጸብለል ከብላ እንከሎ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳ ክገብራ እውን በቂዑ እዩ። ካብ ዝጅምር ሻብዓይ ሰሙኑ ኣቁጺሩ ዝርከብ ፕረሜር ሊግ እንግሊዝ ማን ሲቲ ጽዋእ ክትዓትር ብቐዳምነት ተሓጽያ ትርከብ።
ዛራ ስፖርት/ Zara Sport Analysis
ትንተና ግጥማት ኩዕሶ እግሪ፡ ቅድድም ብሽክለታን ካልእ ሓፈ?
Want your business to be the top-listed Gym/sports Facility in San Diego?
Click here to claim your Sponsored Listing.
Click here to claim your Sponsored Listing.
Location
Category
Telephone
Address
San Diego, CA