SH ማእከል ጎልጎል ስፖርት

SH ማእከል ጎልጎል ስፖርት

Share

SH ማእከል ጎልጎል ስፖርት፡ ንስፖርት ሃገርናን ዞባና ዓለምን እትጽብጽብ ፔጅ ያ ፡ፈሎው ላይክ ኣብ ማእከል ጎልጎል ስፖርት

28/01/2025

ሉዊስ-ስኪሊ ካብ 3ተ ጸወታ መቕጻዕቲ ድሒኑ!

ኣርሰናል ነታ ኣካታዒት ዝነበረት ቀይሕ ካርድ ማይልስ ሉዊስ-ስከሊ ዘቅረበቶ ይግባይ ተቀባልነት ረኺቡ ዝመጽእ ጸወታ ክሳተፍ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ዉልዶ ተኸላኻላይ ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ጋንትኡ ኣንጻር ዎልቭስ ገጢማ 1ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ብቀይሕ ተባሪሩ ምንባሩ ይዝከር።

ናጻ ተቖጻጻሪ ኮሚሽን ብጌጋ ካብ ሜዳ ከምዝተባረረ ከረጋግጽ ከሎ ብመንገዲ ወሃቢ ቃል ማሕበር ክዕሶ ዝተዋህበ መግለጺ ድማ "ናጻ ኮሚሽን ምስ ማይልስ ሉዊስ-ስከሊ ብዝተኣሳሰር ደገፉ ብምሃብ ነቲ ናይ ሰለስተ ጸወታታት መቕጻዕቲ ሰሪዝዎ" ይብል።

ሉዊስ-ስከሊ ኣብ መበል 43 ደቒቕ ካብ ሳንዱቕ ዎልቭስ ቁሩብ ወጽዩ ነቲ ጸረ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝሓሰበ ማት ዶሃርቲ ልዕሊ ኣብ ልዕሊ ዓንካር ዓንካሪቱኡ ብምህራም ብቀያሕ ካርድ ካብ ጸወታ ተባሪሩዩ።

ኣብዚ ድማ እቲ ብዳኛ ማይክል ኦሊቨር ዝተዋህበ ውሳነ፡ ብቪድዮ ተሓጋጋዚ ዳኛ (VAR) ዳረን ኢንግላንድ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡዩ ክስጎግ ተወሲኑ።

ሉዊስ-ስከሊ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ጸወታታት ማለት ሰንበት ኣብ ሜደኦም ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ዝካየድ ጸወታ ፕረምየርሊግ፡ ዝመጽእ ሰሙን ካልኣይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ካራባኦ ካፕ ኣብ ኒውካስል፡ ከምኡ'ውን 15 ለካቲት ኣንጻር ሌስተር ኣብ ዝካየድ ጸወታ ክእገድዩ ተሓሲቡ ኔሩ፡

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

22/01/2025

ደክላን ራይስ ሎሚ ኣብ ቦታ ሳሊባ ክስለፍ!

ኣርሰናል ድሕሪ መስበርቲ ሳሊባ ስዒቡ ሎሚ ምሸት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ምስ ዲናሞ ዛግረብ ኣብ ተካይዶ ግጥም ደክላን ራይስ ከም ናይ ማእከላል ተኸላኻላይ ጌራ ክጥቀመሉ ምዃኑ ይግለጽ።

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

Photos from SH ማእከል ጎልጎል ስፖርት's post 21/01/2025

ባርሰሎና ታሪኽ ዘለዎ ዓወት ኣመዝጊባ ሊቨርፑል ሙሉእ ነጥቢ ሒዛ፡

7ይ ሰሙን ግጥማት ቻምፕዮንስሊግ ኤዉሮጳ ሎሚ ተሰላሲሉ ኣብ ዝነበረሉ ባርሰሎና ብኣገራሚ ፍጻሜ ኣብ ልዕሊ በንፊካ 5ብ4 ዓወት ኣመዝጊባ

ባርሳ ቅድሚ ዕረፍቲ ብሓደ ተጻዋታይ ማለት ፓቭሊዲዝ ዝተመዝገባኣ ሸቶታት በታ ልዋንደሊስኪ ብፍጹም ቅላዕ ዘመዝገበላ ሸቶ 3ብ1 ተመሪሓ ወጽያ፡

ኣብ 2ይ እብረ ኣብ ብራፊንሃ ናብ 3ብ2 ቀይራቶ፡ ሮላንድ ኣራሆ ናብ ገዛእ ልዳቱ ብዘመዝገባ ሸቶ 4ብ2 ተመሪሓ፡ ቀጺላ ባርሳ ፍጹም ቅላዕ ረኺባ ልዋንደሊሰኪ 3ብ2 ጌርዎ፡

በዚ ደዉ ዘይበለት ባርሳ ጸወታ 4ተ ደቃይቕ ምስ ተረፎ ካብ ጋርሽያ 4ብ4 ዝገበረት ሸቶ ኣመዝጊባ እዚ ከይኣክል ግን ኣብ ምዉት ግዜ ካብ ራፊንሃ ሸቶ ረኺባ ድራማቲካዊ ዓወት ኣመዝጊባ 5ብ4 ተዓዉታ፡

=>ሊቨርፑል ብወገና ንሊለ ብ2ብ1 ኣፋንያ ብ21 ነጥቢ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ትርከብ ኣላ፡

ሊቨርፑል ንሸቶታታ ካብ ሳላሕን ኢልዮትን ረኺባተን ሊል ድማ ካብ ጆናታን ደቪድ ረኺባታ ኔራ፡

=> ኣትለቲኮ ዉን ብወገና ብ10 ተጻወቲ ልዕሊ 70 ደቃቕ ተጻዊታ ንለቨርኩሰን 2ብ1 ረቲዓታ፡ ኣለቲኮ ንክልተ ሸቶታታ ካብ ኣልቫረዝያ ረኺባተን፡

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

21/01/2025

ኣሞሪም ብንብረት ዩናይትድ ጀሚሩ!

ሩበን ኣሞሪም ብብራይተን ስዕረት ምምዝጋቡ ኣብ መቐየሪ ክዳን ንዝነበረት ዓቢ ስክሪን ዘለዋ ተለቪዥን ከም ዝሰባበራን እዚ ድማ ብሰንኪ ድኹም ቅዲ ተጻወትቲ ተቖጢዑዩ ዉሳነ ኣብዛ ቲቪ ወሲዱ።

ብዘይካዚ ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ክሃርም ዝፈተነ ተጻዋታይ ከምዝነበረን በቶም ተጻወቲ ከምዝተታሕዘ ተፈሊጡ፡

ኣሞሪም ናብ ኣሞራ'ዶ ይጸሪ ኣሎ ሓቀይ?

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

Photos from SH ማእከል ጎልጎል ስፖርት's post 16/01/2025

ዩናይትድ ኣማድ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ዓወት ኣግዚምዋ፡

ምስ ሳዉዝሃምፕተን ጸወታኣ ክተካይድ ዘምሰየት ዩናይትድ ብ2ይ እብረ ዝመጸቶ ብቅዓት ተሓጊዛ ካብ 1ብ0 ተመሪሓትሉ ዝነበረት ወጽያ 3ብ1 ተዓዊታ፡

ኣብ 1ይ እብረ ብብዝሒ ፈተነታትን በታ ኣብ መበል 43 ደቂቅ ኡጋርተ ናብ ልዳቱ ዘመዝገባ ሸቶ 1ብ0 ተመሪሓ ዝወጸት ዩናይትድ፡

ኣብ 2ይ እብረ ጸወታ ክዛዘም ክሳብ 10 ደቃይቕ ዝተርፎ 1ብ0 ተመሪሓ ኔራ ኣብ 82 90 94 ደቂቅ ካብ ኣማድ ድያሎ ሸቶ ኣመዝጊባ ግን 3ብ1 ተዓዊታ፡

ኣማድ ድያሎ ክሳብ 2030 ምፍራሙ ቅኑዕ ምንባሩ ምስክርዩ!

15/01/2025

ሰሜን ለንደን ቀይሕ ተነስኒሳ! ኣርሰናል ናብ ሊቨርፑል ተጸጊዓ፡

ናይ ደርቢ ጸወታኣ ምስ ቶተንሃም ዘካየደት ኣርሰናል 2ብ1 ብምዕዋት ካብ ሊቨርፑል ብ4ተ ነጥቢ ድሒራ ኣብ መበል 2ይ ደረጃ ተሰሪዓ፡

ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝተመዝገባ እዘን ሸቶታት ሶን ኣብ 25 ደቂቅ ንቶተንሃም መሪሕነት ክትሕዛ ከሎ፡ ክሳብ 40 ደቂቅ ድማ ቀጺላ ኔራ፡

ኣብ 40 ደቂቅ ግን ኣርሰናል ካብ ጋብሬል ብርእሱ ዝተቀልዐት ክዕሶ ሶለንከ ናብ ልዳቱ ሸቶ ከመዝግባ ምኽኣሉ ጸወታ 1ብ1 ኮይኑ፡

ድሕሪ 4ተ ደቂቅ ኣርሰናል ካብ ትሮሳርድ ሸቶ ረኺባ መሪሕነት ሒዛ ናብ ዕረፍቲ ወጽያ፡

ኣብ 2ይ እብረ ዝተቀየረ ነገር ኣይነበረን ኣርሰናል ኣብ ሜዳኣ 2ብ1 ተዓዊታ ሰለስተ ነጥቢ ወሲዳ፡

በዚ ድማ ካብታ ሓደ ተረፍ ጸወታ ዘላታ ክለብ ሊቨርፑል ብ4ተ ነጥቢ ድሒራ ካብ 21 ግጥማት 43 ነጥቢ ኣዋህሊላ ኣብ መበል 2ይ ደረጃ ትርከብ፡

ኣርሰናል ኣብ ዉድድር ዋንጫ ክትካራፈስ ዘኽእላ ዕድል ኣመዝጊባ ምህላዋ ዝሰሓት ኣይኮነን

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

14/01/2025

ኣርሰናል ክትከስበሉ ትኽእል ዉጺኢት ኖቲንግሃም ፎሬስት ምስ ሊቨርፑል ማዕረ ተዛዚሙ!

ኣብ ሜዳ ሲቲ ግራዉንድ ጸወተአን ዘካየዳ ኣብ 1ይ 3ይ ተራታ ዝጸነሓ እዘን ክለባት ብማዕረ 1ብ1 ተፋላልየን፡

ኖቲንጋሃም ኣብ መበል 8ይ ደቂቅ ካብ ክሪስ ዉድ ሸቶ ረኺባ መሪሕነት ሒዛ ንዕረፍቲ ወጽያ፡ ኣብ 2ይ እብረ ዉን ክሳብ 65 ደቂቅ መሪሓ ኔራ፡

ኣብ 66 ደቂቅ ግን ሊቨርፑል ድሕሪ ንጆታን ጽሜካስን ምቅያራ እዞም ተጻወቲ ዝፈጠርዎ ዉህደት ማለት ጽሜካስ ካብ ማእዝን ቀሊዕዋ ጆታ ድማ ብርእሱ ኣመዝጊብዋ ጸወታ ማዕረ ኮይኑ በዚ ዉን ተዛዚሙ፡

ሜዳ ፎሬስት ንሊቨርፑል ሳህራ ኮይንዋ ዓወት ክተመዝግበሉ ኩሉ ግዜያ ትጽገም እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ሊቨርፑል 4ተ ነጥቢ ኣብዚ ዓመት ወሲዳ፡

እዚ ዝተመዝገበ ዉጺኢት ነታ ጽባሕ ጸወታኣ ተካይድ ኣርሰናል ተስፋ ዝህብዩ፡

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

Photos from SH ማእከል ጎልጎል ስፖርት's post 14/01/2025

ማንሲቲ ምስ ማሓዛኣ ቸልሲ ክልተ ነጥቢ ኣፊኤን፡

ቸልሲ ኣብ ሜዳኣ ምስ በርንማዉዝ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ 2ብ2 ማዕረ ብምፍልላይ ሕጂ ዉን ን5ተ ግጥማት ብዘይ ዓወት ክትጓዓዝ ተገዲዳ፡

ቸልሲ ኣብ 1ይ እብረ ካብ ፓልመር ሸቶ ኣመዝጊባ ንዕረፍቲ መሪሓ ወጽያ፡

ድሕሪ ዕረፍቲ በርንማዉዝ ኣብ መበል 50 ደቂቅ ፍጹም ቅላዕ ረኺባ ኩልቨርት ሸቶ ኣመዝጊቡ ንጸወታ ማዕረ ጌርዎ፡

ደጊማ ክለብ በርንማዉዝ ካብ ስመንዮ ኣብ መበል 68 ደቂቅ ሸቶ ኣመዝጊባ መሪሕነት ተረኪባ፡

ቸልሲ ተሳዒራ እናተባህለት ኣብ መበል 97 ደቂቅ ካብ ጀምስ ሸቶ ረኺባ ማዕረ ተፈላልያ፡

ማንሲቲ ብወገና ምስ ብሪንትፎርድ ካብ 2ብ0 መሪሓትሉ ዝነበረት ጸወታ 2ብ2 ብምፍልላይ መዛረቢ ኣርእስቲ ከፊታ፡

ንዕረፍቲ ብዘይ ሸቶ ዝወጻ እዘን ጋንታት ድሕሪ ዕረፍቲ ማንሲቲ ካብ ፎደን ክልተ ሸቶታት ረኺባ፡ ብሪንፎርድ ድማ ካብ ዊሳን ኖርጋርድንያ ረኺባተን፡

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

12/01/2025

ባርሳ ንማድሪድ ገሪፋ 1ይ ዋንጫ ናይዚ ዓመት ኣልዒላ!

ኣፍቃሪ ክዕሶ እግሪ ብሃንቀዉታ ዝጸበዮ ግጥም እዘን ዓባይቲ ጋንታት ሎሚ ኣብ ፍጻሜ ስፖር ካፕ ስጳኛ ተጻዊተን ባርሳ 5ብ2 ተዓዊታ፡

ማድሪድ ብመንገዲ ምባፐ ቀዲማ ሸቶ ኣመዝጊባ እኳ እንተነበረት ድሒሩ ዝሰዓበ ግዜ ግን ኢዳ ሂባ ብሸቶታት ራፊንሃ፡ ያማል ልዋንደሊስኪ፡ ባልደ ኢዳ ሂባ 4ብ1 ተመሪሓ ንዕረፍቲ ወጽያ፡

ድሕሪ ዕረፍቲ ዉን ባርሳ ኣብ መበል 48 ደቂቅ ካብ ራፉንሓ ሸቶ ረኾባ 5ብ1 መሪሓትሉ ኣብ ዝነበረ ሓላዊ ልዳት ባርሳ ስቸዝኒ ኣብ ልዕሊ ምባፐ በደል ፈጺሙ ብቀይሕ ተባሪሩ ባርሳ 10 ተጻወቲ ተሪፋ ጸወታ ክዛዘም ድማ ልዕሊ 30 ደቂቅ ኣለዋ፡

ማድሪድ ሓንቲ ሸቶ ብሮድሪጎ ወሲኻ ግን ግዜ ኣኺሉ ዋንጫ ኣማዕድያ ሪእያታ ባርሳ ድማ ኣብዚ ዓመት ንማድሪድ ንጠቅላላ 9ብ2 ክትረትዓ ኪኢላ፡

ባርሳ ነታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘልዓለታ ዋናጫ ናብ ቤታ ወሲዳታ ብቕዓት ራፊንሃ ግን ብድብድቡዩ!!!

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

12/01/2025

ኣርሰናል ጻዕዳ ማልያ መሊሳ ኣትያ ጸላም መዓልቲ ረኺባ፡ብኣንጻሩ ዩናይትድ ጸሊም ማልያ ተኸዲና ጻዕዳ ማዓልቲ ዊዒላ"

3ይ ዙር ግጥም ኤፍ ኤ ካፕ ኣብ ሞንጎ ኣርሰናልን ማን ዩናይትድ ዝተኻየደ ጸወታ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ዩናይትድ ብ10 ተጻወቲ ሰዓት ምሉእ ተጻዊታ ብመፈላለዪ ፍጹም ቅላዕ ተዓዊታ፡

ቀዳማይ እብረ ብዘይ ሸቶ ወጽየን ኣብ 2ይ እብረ ዩናይትድ ካብ ብሩኖ ፈረናንደዝ ሸቶ ረኺባ 1ብ0 መሪሓ፡ ንድያጎ ዳሎት ድማ ብቀይሕ ካርድ ከሲራ፡

ነዛ ዕድል ዝረኸበት ኣርሰናል ብጋብሬል ማግለሃሽ ሸቶ ረኺባ ማዕረ ጌራቶ ፍጹም ቅላዕ ረኺባ ብመንገዲ ኦደጋርድ በሊዓታ ን90 ደቂቅ ዛዚማቶ።

ዳሕሪኡ ዝቀጸለ 30 ደቂቅ ጸወታ ኣርሰናል ብዙሕ ዕድላት በሊዓ ኣብ ፍጹም ቅላዕ ድማ ብሓላዊ ልዳት ባይንድሪ ተበሊዓ ተገሊፋ፡

ሓላዊ ልዳት ዩናይትድ ባይንደሪ ዝገርም ብቅዓት ኣርእዩ ንዩናይትድ ኣዕዊቱ ብኣንጻሩ መስመር መጥቃዕቲ ኣርሰናል ብፍላይ ሃቫርተን 9ተ ከምዘይኮነ ዘርኣየሉ ጸወታዩ፡

ኣርሰናል ናብ እ.እ.እ ክትይድ ከላ
ዩናይትድ ድማ እቲ ጉዕዞ ቀጺላቶ ሩበን ቀጻዒ ዓበይቲ ክለባት ኮይኑሎ፡

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

10/01/2025

ዋጋ ኮቢ ማይኖ ተተሚኑ ክንደይ'ዩ!

ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ኣከፋፋሊ ኮቢ ማይኖ ንምፍላይ ኣስታት 70 ሚልዮን ፓውንድ ክፍሊት ክትሓትት ምዃና ቸልሲ ዋጉኡ ፈሊጣ ከምዘላ ሓደ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ዩናይትድ ምስቲ ኣብ ለካቲት 2023 20 ሽሕ ፓውንድ ኣብ ሰሙን እናደተኸፈለ ክጻወት ክታሙ ዘንበረ ማይኖ ኣብ ዝገበሮቶ ዝርርብ ክትስጉም ኣይከኣለትን።

ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ዝነበረ ጸቕጢ ድማ ቸልሲ 'ኣብዚ ውድድር ትመርሕ ኣላ' ብዝብል ሃንደበታዊ ኣበሃህላ ተጋዲዱ ይርከብ፡

ማእከል ጎልጎል ስፖርት!

Want your business to be the top-listed Gym/sports Facility in Addis Ababa?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Category

Address


Addis Ababa