ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ

ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ ናይዚ ፔጅ ዋና ዓላማ ህዝቢ ትግራይ ብምንቃሕን ድሑር ኣታሕሳስባ ዘለዎም ብምቅላስ ብዲሞክራሲ ዝማዕበለት ትግራይ ምርኣይ እዩ

ካብ ርክብ ህዝብን ሰራዊትን ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ዝተገበረ ፃውዒት እዚ ገበነኛ ጉጅለ ካብ መፈጠሩ ጀሚሩ ዝተፈላለየ ናይ ዓፈና ውዳበታት መስሪቱ ከቀያይመና ከምዝፀንሐ ናይ ኩሉ...
04/10/2026

ካብ ርክብ ህዝብን ሰራዊትን ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ዝተገበረ ፃውዒት

እዚ ገበነኛ ጉጅለ ካብ መፈጠሩ ጀሚሩ ዝተፈላለየ ናይ ዓፈና ውዳበታት መስሪቱ ከቀያይመና ከምዝፀንሐ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ እምነት እዩ።

ብምዃኑ ድማ መፃኢና ብሩህን ነባርን ንምግባር፦
ሀ. በሰላና እናሓኸክና ናብ ካሊእ ዙር ፀገም ከይንኣቱ ምእንታን ካብዞም ዝስዕቡ ተግባራት ክንጥንቀቅ ይግባእ፦

1. ኣብ መንደርና ዘለው ዝተቀያየሙ ተጋሩ ሕነ ምፍድዳይ ከይህሉ ብሓላፍነት ምክልካል
2. ናይቲ ገበነኛ ጉጅለ መራሕቲ ፖለቲካን ሰራዊትን ከየምልጡን ብዕስለ ፍርዲ ስጉምቲ ከይውሰዶምን ብሕጊ ክፍረዱ ዘክእል ክከውን ዓቅሊ ምግባር
3. ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ኮይኖም ብዝተፈላለየ መንገዲ ዘቀየሙኳ ብወነንካ ዝኮነ ዓይነት ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ

ለ. ካሊእ ፃውዒት ንህዝቢ ትግራይ ፦
ዝተፈላለዩ ብርክታት ኣወዳድባ ኣጣይሽካ ኣብ እዋን ውግእ ይኹን ድሕሪ ውግእ ሓለዋ ክትገብረሎም ዝግባእ ትካላት፦

1.ጥዕና ትካላት፦
➡️ሆስፒታላት፣
➡️ክሊኒካት፣
➡️መደብራት መድሓኒትን
➡️ደም መዋህለሊ ማእከላትን

2. ትካላት ትምህርቲ፦
➡️ቤት ትምህርትታት፣
➡️ኮሌጃት
➡️ዩኒቨርሲቲታት
➡️ፖሊ ቴክኒካት

3.ትካላት ሃይማኖት፦
➡️ ቤተ ክርስቲያናት፣
➡️መስጊዳትን
➡️ሃይማኖታዊ ግልጋሎት ዝወሃበሎም ቦታታትን

4.ሲቪል መሰረተ ልምዓታት፡
➡️ማእከላት ቀረብ ማይ ፣
➡️ኤሌክትሪክ መከፋፈሊ ጣብያታት ፣
➡️ማእከላት ዕዳጋን
➡️መኽዝናት ምግቢ

5.ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት፦
➡️ቀይሕ መስቀል፣
➡️ትካላት ሕቡራት መንግስታት
➡️ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብሩ ውዳበታትን ካልኦት ገበርቲ ሰናያትን

6.ትካላት ፋይናንስ፦
➡️ባንክታት ንግዲ
➡️ባንኪ ልምዓት
➡️ባንኪ ኢንሹራንስን
➡️ማይክሮ ፋይናንስን

7.ትካላት መራኸቢ ሓፋሽ፦
➡️ትግራይ ቴሌቪዥን
➡️ትግራይ ሬድዮ
➡️ትግራይ ግልጋሎት ዜና
➡️ድምፂ ወያነ ቴሌቪዥን
➡️ኤፍኤም ሬዲዮ መቐለን

8.ትካላት ቴሌ (ኢትዮን ሳፋርን) ኮይኑ፦
➡️ሞባይል ኣንቴናታትን ጣብያታትን
➡️ፋይበር ኢንተርኔት መስመራት
➡️ማእከላት ዳታን
➡️መስመራት ኤሌክትሪክን

9.ትካላት ንግዲ፦
• ሆቴላት
• ምግብን መስተን መቕረብቲ
• ቴክስታይል ፋብሪካታት
• ሲሚንቶ ፋብሪካታት
• ምግቢ መቀነባብርቲ ፋብሪካታት
• ኤሌክትሮኒክስ ፋብሪካታት
• ስኳር ፋብሪካታት
• ግብርና መቀነባበርቲ ትካላትን
• ትካላት ንግድን

10.ትካላት ትእምት፦
• መሰቦ ሲሚንቶ ፋብሪካ
• ኣልመዳ ጨርቃ ጨርቂ ፋብሪካ
• ሸባ ሌዘር ፋብሪካ
• ጉና ትካል ንግድን ካልኦትን በብዘለውኦ ዞባ ፣ ወረዳን ጣብያን ውሕስነቶም ክረጋገፅ ክትገብር ነተሓሳስብ።

11. ህዝባዊን ማሕበራዊን ኣገልግሎታት እትህቡ ሰራሕተኛታትን ቤት ዕዮታትንትን ተረጋጊዕኹም ህዝብኹም ክተገልግሉ ንፅውዕ።

መስከረም 2019 ዓ/ም
ሓራ መሬት

ሰሜናዊት ኮኾብ ከተማ መቐለ ካፍቲ ድሑር ጉጅለ ሓራ ምውፀኣ ገዚፍ ምዕራፍ መቐይሮ ነጥቢ ምዃኑ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፌደራልን ዋና ፈፃሚ ጉዳያት ውድብ ስምረትን ፕሮፌሰር ክንደያ...
04/10/2026

ሰሜናዊት ኮኾብ ከተማ መቐለ ካፍቲ ድሑር ጉጅለ ሓራ ምውፀኣ ገዚፍ ምዕራፍ መቐይሮ ነጥቢ ምዃኑ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፌደራልን ዋና ፈፃሚ ጉዳያት ውድብ ስምረትን ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት ገሊፆም።

ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፌደራልን ዋና ፈፃሚ ጉዳይ ውድብ ስምረትን ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት ኣብ ዕላዊ ገፅ (X) ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓፂር መልእኽቲ ከምዝሓበርዎ ሰሜናዊት ኮኾብ ከተማ መቐለ ካፍቲ ድሑር ጉጅለ ሎሚ ሓራ ወፂኣ'ላ። እዚ ድማ ገዚፍ ምዕራፍ መቐይሮ ነጥቢ'ዩ ኢሎም።

አዲስ ኣበባ - ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ወረዳታት ክልል ዓፋር እንደገና ተቆጻጺሮምሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋርን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ኣብ ክልል ዓ...
02/10/2026

አዲስ ኣበባ - ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ወረዳታት ክልል ዓፋር እንደገና ተቆጻጺሮም
ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋርን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ሰለስተ ከባቢታት እንደገና ተቆጻጺሮም። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ምስ ህወሓት «ሕብረት ንህላወ» ዝብል ጥምረት ዝፈጠሩ ሓይልታትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዓላ፣ ኢረብትን መጋለ ዝበሃላ ስትራተጂካዊ ከተማታትን ከባቢታትን ተቆጻጺሮም ነይሮም።
ሰበ-ሰልጣን ክልል ዓፋርን ተሓለቕቲ መሰልን ሎሚ ከም ዘፍለጥዎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉያት ሓይልታት ክልል ዓፋርን ሓይሊ ሰላም ትግራይን ብሓባር ብዝኸፈቱዎ መጥቃዕቲ እቶም ሰለስተ ከባቢታት ካብ ህወሓትን መሻርኽቱን ናጻ ኣውጺኦም እንደገና ተቆጻጺሮምዎም። ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ኮሎኔል በርሀ ባራኪ ሰራዊቶም ሎሚ ቀትሪ ኣብ ኣብዓላ ከም ዘሎ ንዶቸ ቬለ ኣረጋጊጾም።
ካብቲ ዝሓለፈ መስከረም 12 ኣትሒዙ ብዝተኻየደ ውግእ ብዝሒ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተነጊሩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈቲ ጉዳያት ዲያስፖራ ክልል ዓፋርን ተሓላቒ መሰልን ገኣስ ኣሕመድ ሎሚ ብስልኪ ከም ዝገለጽዎ፣ ሰራዊት ህወሓት ነቲ ከባቢ ለቒቑ ክወጽእ ከሎ እኳ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ዓርሰ-ጉድኣት ኣብጺሑ እዩ። ግና መጠን እቲ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይፍለጥን። ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ኣብዓላ፣ ኢረብቲ፣ መጋለ ከባቢታቱን ጥራይ ካብ 120 ሽሕ ክሳብ 150 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ከም መረበቶም ተፈናቒሎም።
መብዛሕትኡ ተፈናቓይ ናብ ከባቢ ኣፍዴራ ክሃድም እንከሎ፣ ገሊኦም ድማ ብፍላይ ካብ ኢረብቲ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ሜዳ ሰፊሮም ምህላዎም ኣቶ ገኣስ ኣፍሊጦም። ኣቶ ገኣስ ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ፣ ክልል ዓፋር ካብ ዝሃቦ ንእሽቶ ሓገዝ ወጻኢ እቶም ተፈናቐቲ ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ረድኤት ኣይረኸቡን። እቲ ሓዲሽ ኲናት ዝተወለዐ ኣብቲ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ብዝተኻየደ ኲናት ካብ ዝተፈናቐለ ህዝብ መብዛሕትኡ ናብ መረበቱ ከይተመልሰ፣ እቲ ዝተመልሰ'ውን ብግቡእ እግሪ ከይተኸለ እዩ።
DW Amharic

ውጪ ጉዳይ ሚኒስተር ኣብዘውፀኦ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ ኢምባሲ ኣብ ኣስመራ ክዓፅው ተገዲደ ኢሉ። 10 ዲፕሎማት ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ድማ ኣብ 48 ሰዓታት ክወፁ ኣዊጁ‼️
01/10/2026

ውጪ ጉዳይ ሚኒስተር ኣብዘውፀኦ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ ኢምባሲ ኣብ ኣስመራ ክዓፅው ተገዲደ ኢሉ። 10 ዲፕሎማት ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ድማ ኣብ 48 ሰዓታት ክወፁ ኣዊጁ‼️

📢 ሓበሬታ  ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ!ኣብ ክልል ትግራይ ሒሳብ ቁጽሪ ኣኽፊኹም ዝተዓፀወኩም፤ ሕዚ ኣብ ኣዲስ አበባ እትርከቡ  ኣብ እዘን ዝስዕባ ቅርንጫፍ ብምኻድ ኣገልግሎት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢ...
28/09/2026

📢 ሓበሬታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ!
ኣብ ክልል ትግራይ ሒሳብ ቁጽሪ ኣኽፊኹም ዝተዓፀወኩም፤ ሕዚ ኣብ ኣዲስ አበባ እትርከቡ ኣብ እዘን ዝስዕባ ቅርንጫፍ ብምኻድ ኣገልግሎት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
📍 ኣገልግሎት ትረኽቡሎም ቅርንጫፋት፡
• 🔹 1. አያት አደባባይ ቅርንጫፍ
• 🔹 2. ሻላ አያት ቅርንጫፍ
• 🔹 3. አቃቂ ቃሊቲ ቅርንጫፍ
• 🔹 4. ተክለሃይማኖት ቅርንጫፍ
• 🔹 5. ንፋስ ስልክ ቅርንጫፍ
• 🔹 6. ሰሚት ቅርንጫፍ
• 🔹 7. መገናኛ ቅርንጫፍ
• 🔹 8. መሪ ቅርንጫፍ
• 🔹 9. ኪሎ ቅርንጫፍ
• 🔹 10. ጠበንዥ ያዥ ቅርንጫፍ
• 🔹 11. ቴሌ መድሃኒአለም ቅርንጫፍ
• 🔹 12. ጦር ኃይሎች ቅርንጫፍ
• 🔹 13. ፊንፊኔ ቅርንጫፍ
💡 ኣገልግሎታት ንምርካብ ናብቲ ዝቐረበ ቅርንጫፍ ብምኻድ ግልጋሎት ምርካብ ትኽእሉ እኹም።
🔗 ንኹሉ ተጠቃሚ ክበጽሕ ነዚ ሓበሬታ ንዝምልከቶም ኣዕርኹትኹም/ፈተውትኹም ሼር (Share) ብምግባር ንተሓጋገዝ!
#ትግራይ

መግለፂ ሓዘንዴሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ ዞባ ኣዲስ ኣበባወላዲ ኣቦኦም ንሚኒስተር ኣማኻሪ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ መንግስቲ ፌደራልን ፕረዚደንት ዴሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይን ዝኾኑ ኣ...
27/09/2026

መግለፂ ሓዘን
ዴሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ
ወላዲ ኣቦኦም ንሚኒስተር ኣማኻሪ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ መንግስቲ ፌደራልን ፕረዚደንት ዴሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይን ዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፤ ሓርበኛን ክቡር ኣቦ ዝኾኑ ኣይተ ረዳ ካሕሳይ ካብዚ ዓለም ብሞት ብምንፍላዮም ፤ መላእ ኣባልን መሓውርን ዴሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ (ዞባ ኣዲስ ኣበባ) ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ።
"ሞት ናይ ኩሉ ፍጥረት መወዳእታ እኳ እንተኾነ፤ ሰናይ ስም፣ ሕድሪን ተጋድሎን ግን ንዘለኣለም ብታሪኽ ይነብሩ።"
ኣይተ ረዳ ካሕሳይ ንህዝቦምን ሃገሮምን ብሉጽ ስነ-ምግባር ዘዕበዩ፣ ንውሉዶም ከምኡ እውን ንማሕበረሰቦም መሰረታዊ ሃገራዊ ዋጋታትን ክብርታትን ዘሰረፁ ክቡር ኣቦ እዮም ነይሮም። ሎሚ ብሞቶም ዝተሰመዖ ሓዘን ልቢ ዝትንክፍን ዕሙቕ ዝበለን እዩ።
እዚ ኹነታት ናፍቆትን ሓዘንን ዝተመልኦ እዋን ፤ ንክቡር ፕረዚደንታና ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንመላእ ስድራቤቶም፣ ፈተውቶምን ከምኡ እውን ንመላእ ኣባላት ውድብና ከቢድ ሓዘን እዩ።
ንክቡር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፣ ንመላእ ስድራቤቶም፣ ፈተውቶምን ፣ ንመላእ ኣባላት ዴሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ፣ ፅንዓት ይሃብ፣ ፈጣሪ ኣምላኽ ድማ ንወላዲና ነፍሶም ኣብ ገነት መንግስቱ የዕርፈልና።

ሚዲያን ከሚንኬሽን ዴሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ
መስከረም 2026 ዓ.ም.

መልእኽቲ ፕሬዚደንት ውድብ ስምረት ትግራይ!**********************መራሕቲ ህወሓት ኣብልዕሊ መንእሰይ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለው ገበን ማእለያ የብሉን:: ብጅግንነትን ብህዝባውነትን ዝ...
26/09/2026

መልእኽቲ ፕሬዚደንት ውድብ ስምረት ትግራይ!
**********************
መራሕቲ ህወሓት ኣብልዕሊ መንእሰይ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለው ገበን ማእለያ የብሉን:: ብጅግንነትን ብህዝባውነትን ዝፍለጥ ሰራዊት: መፃወቲ ገበነኛታት ኮይኑ ካብምርኣይን ምእንቲ ክዋገአሎም ብፋኖ ዝኩኮብን ዝርሸንን ሓይሊ ኮይኑ ከምምዕዛብን ዘጉህይ ነገር የለን:: ሰራዊት ትግራይ ደመከልብ ንዝገበሩኻ ሓሰውቲን ጨካናትን መራሕቲ ዝኣጉድዎ ሓዊ ባዕሎም ክስሕንዎ ግበር:: ክቡር መስዋእትነት ዝብል ናይ ጠፋሻት ጭርሖ ኣይመልከተንን በሎም::
ንወለድኻን ንህዝብኻን ክትብል ካብ ሞት ህይወት ምረፅ!

ኩሎም ገበነኛታት ናይኢዶም ዝረኽቡሉ ስራሕ ስራሕ:: ከንቱ ሞት ይኣኽለኒ በል::

እንኳዕ ኣብጽሓኩም!ዝኸበርኩም መላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና!ብመጀመሪያ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ ዞባ ኣዲስ አበባ፤ በዓል  መስቀል ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ህዝበ ክርስትያን እ...
26/09/2026

እንኳዕ ኣብጽሓኩም!
ዝኸበርኩም መላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና!

ብመጀመሪያ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ስምረት ትግራይ ዞባ ኣዲስ አበባ፤ በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ህዝበ ክርስትያን እንኳዕ አብጻሓኩም ክንብል ንፎቱ።
በዓል መስቀል ፍቕሪ፣ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ብግል ፂ ዝንጸባረቁሉ ታሪካዊን ሃይማኖታውን በዓል እዩ። እቲ በዓል ክኽበር ከሎ ንሕድሕድና ንክንተሓጋገዝ፣ ንሰላም ቀዳምነት ክንህብን ንሓባራዊ ሸቶታትና ብሓድነት ክንቀሳቐሰን ዘለዎ ተራ ልዑል እዩ።
ዴሞክራሲያዊ ውድብ ስምረት ዞባ ኣዲስ አበባ እዚ በዓል ሰላምን ቅሳነትን ኣብ መላእ ሃገርና ክሰፍን፣ ሕብረተሰብና ብፍቕርን ብሓድነትን ተኣኻኺቡ ክነብር ፣ ጸገማት ብዘተን ብሰላማዊ መንገድን ፍታሕ ክረኽቡ ይምነ።
ደጊምናውን እዚ በዓል ናይ ሰላም፣ ናይ ጥዕና፣ ናይ ፍቕርን ናይ ዓወት ንክዀነልና ንምነ።

ርሑስ በዓል ብርሃነ መስቀል ይግበረልኩም!
ዴሞክራሲያዊ ውድብ ስምረት ዞባ ኣዲስ አበባ

ሚኒስተር ኣማኻሪ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ መንግስቲ ፌደራልን ፕረዚደንት ውድብ ስምረትን ኩቡር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቦም ዘትዮም።  ሚኒስተር ጌታቸው...
26/09/2026

ሚኒስተር ኣማኻሪ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ መንግስቲ ፌደራልን ፕረዚደንት ውድብ ስምረትን ኩቡር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቦም ዘትዮም።

ሚኒስተር ጌታቸው ረዳ ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት - ዦንግ-ፒየር ላክሮኣ (Jean-Pierre Lacroix) ኣብ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UNGA 81) ተራኺቦም ኣብ ኲናት ምትራፍ ኣድሂቦም (Peace Operations) ሰፊሕ መድረኽ ዘተ ኣካይዶም።

ኩቡር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፍቲ ዘካየድዎ ሰፊሕ መድረኽ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ውሁዱን ሓያሎን ስራሕ ምዕማም ከምዘድሊ ኣስሚሮምሉ።

ምክታል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዦንግ-ፒየር ላክሮኣ (Jean-Pierre Lacroix) ብወገኖም ውድብ ሑቡራት ሃገራት - ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተሰጉሞ ዘላ ህዱእ ሰለማዊ ዲፕሎማስያዊን ቃልሲ ብምንኣድ ኣብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኢትዮጵያ ንዘበርከተቶ ፃዕሪ ሞጒሶም።

ህወሓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገር ዝርከቡ ስትራተጂካዊ መዕርፎ ነፈርቲ ብሓይሊ ብምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ስጉምቲ ምውሳዱ ይፈለጥ እዩ። ነዚ ስዒቡ ብተመሳሳሊ እዋን፣ መንግስቲ...
24/09/2026

ህወሓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገር ዝርከቡ ስትራተጂካዊ መዕርፎ ነፈርቲ ብሓይሊ ብምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ስጉምቲ ምውሳዱ ይፈለጥ እዩ። ነዚ ስዒቡ ብተመሳሳሊ እዋን፣ መንግስቲ ፈረሳይ ብኤምባሲኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝፈፀሞ ቅሉዕ ወራር ብትሪ ኮኒኑዎ።

Address

Addis Ababa
1000

Telephone

+251913296425

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share