30/08/2026
በዓል ኣሸንዳ "ድምፂ ሰላም፣ ዜማ ናፅነት ድሙቕ ባህሊ" ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ
ኣዲስ ኣበባ — ታሪኻዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ክብርታት ትግራይ መሰረት ገይሩ ንዘመናት ባህላዊ ትሕዝቶኡ ከይተበረዘ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገረ በዓል ኣሸንዳ፡ ሎሚ ዓመት እውን "ድምፂ ሰላም፣ ዜማ ናፅነት ድሙቕ ባህሊ — ኣሸንዳ ትግራይ!" ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓድዋ ሙዚየም ኣደራሽ ዓድዋ ዜሮ ዜሮ (Adwa Zero Zero) ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ።
እቲ በዓል ብኣባል ቤት ምኽሪ ውድብ ስምረት ን ዋና መተሓባበሪ ዞባ ኣዲስ ኣበባን ዝኾኑ ኣይተ ፀጋይ ፃዲቕ ብወግዒ ዝተኸፈተ እንተኾኑ፡ ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ በዓል ኣሸንዳ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደናግል ኣዋልድን በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ባህላዊ መንነት፣ ፅባቐን ናፅነትን ደቂ ኣንስትዮ ንዓለም ዘበስር ዓብዪ ሃብቲ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ኣይተ ፀጋይ ፃዲቕ ኣብ መደረኦም ዘመሓላለፍዎም ቀንዲ መልእኽትታት፦
ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር፦ ኣሸንዳ ናይ ምትእኽኻብን ምራኸብን፣ ምስሳንን ሓድነትን መድረኽ ብምዃኑ፡ ኣብ ማሕበረሰብና ዘላቒ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድናን ንምጥንኻር ከም ዓብዪ ድልድል ኮይኑ ዝገልግል እዩሞ ክንዕቅቦ ይግባእ።
ባህላዊ ፅባቐን ፍቕሪን፦ ባህላዊ ኣልባሳት፣ መጋየፂ፣ ሽልማትን ኣስራርሓ ፀጉርን ጐራዙ መሰረት ብምግባር ናይ ትግራይ ጥበባዊን ባህላዊን ፅባቐ ንዓለም ዘርኢ ናይ ፍቕሪ መድረኽ ብምዃኑ ከም ሃገር ክኽበር ይግባእ።
መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ፦ ደቂ ኣንስትዮ ብደስታ፣ ብዜማን ብሽልማትን ማዕሪገን ድሌተንን ድምፀንን ብነፃነት ዘስምዓሉ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዘዕብያሉ ታሪኻዊ ባህላዊ መሰል ብምዃኑ፡ ኩለን ደቂ ኣንእስትዮ ኢትዮጵያ ክኽተልኦ ይግባእ።
ኣብቲ ኣብ ዓድዋ ዜሮ ዜሮ ዝተኻየደ ድሙቕ ናይ መዛዘሚ መድረኽ፡ መላእ ነባሪ እታ ከተማ፣ ናይ ትግራይ ተወለድቲ፣ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽን መራኸቢ ሓፋሽን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ትርኢታት፣ ናይ "ደቂ ኣሸንዳ" ዜማታትን ቐለማት ብዝሓዘ ባህላዊ ኣልባሳትን ኣዚዩ ብዝድምቕ ኩነታት ተዛዚሙ እዩ።
እዚ ንባህላዊ ክብርታትና ንምስፋሕ፣ ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር ከምኡ እውን ናይ ባህሊ ጸጋታትና ንዓለም ንምልላይ ዝዓለመ መድረኽ፡ ኩሉ ፈታዊ ባህልን ሰላምን ዘድሊ ድጋፍ ብምግባር ንዕብየት ባህልና እጃሙ ክወፅእ ኣይተ ፀጋይ ፃዲቕ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
30/08/2026
እንቋዕ ንባህላውን ታሪካውን በዓል ኣሸንዳ ብሰላምን ብጥዕና ኣብጽሓኩም!
ብድምቀት አሸንዳ ይኽበርሎ! ኣብ ዓድዋ ዜሮ ዜር!
ባህልና ነኽብር፣ ሓድነትና ነጠናኽር። ናይ ሰላምን ሓጐስን እዋን ይግበረልና! 🎉✨
27/08/2026
ነሓሰ 24 2018 ዓ.ም ዝኽበር መዛዛሚ በዓል ኣሸንዳ 2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓድዋ ሙዚየም ንምክያድ ዘድልዩ ኹሎም ምድላዋት ተዛዚሞም አለው።
ስለዚ ዋናታት እዚ በዓል ዝኾንክንን ቆልዑ አሸንዳ፣ ዕድመዝተገበረልኩም ኽቡራት ኣጋይሽ ከምኡ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኢትዮጵያን እትነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ዓቢይ መዛዛሚ ፕሮግራም ብምርካብ ብሓባር ክተኽብሩ ንዕድም።
መእተዊ ዋጋ : ነፃ
ነሐሴ 24 ቀን 2018 ዓ.ም የሚከበረውን የ2018 ዓ.ም የአሸንዳ በዓል ማጠቃለያ ፕሮግራም በአዲስ አበባ፣ ዓድዋ ድል መታሰቢያ ሙዚየም አዳራሽ ለማካሄድ አስፈላጊው ዝግጅት ሁሉ ተጠናቋል።
በመሆኑም የበዓሉ ባለቤቶች የሆናችሁ ልጃገረዶች፣ ጥሪ የተደረገላችሁ ክቡራትና ክቡራን እንግዶች እንዲሁም በአዲስ አበባና በተለያዩ የኢትዮጵያ ክፍሎች የምትኖሩ ውድ ኢትዮጵያውያን በሙሉ በዚህ ታላቅ የበዓል ማጠቃለያ ፕሮግራም ላይ በጋራ እንድናከብር በታላቅ አክብሮት ጥሪያችንን እናቀርባለን።
መግብያ ዋጋ :በነፃ
26/08/2026
ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
በዓል ኣሸንዳ "ድምፂ ሰላም፣ ዜማ ናፅነት ድሙቕ ባህሊ" ብዝብል መሪሕ ቴማ ንቐፃሊ ሰንበት ዕለት 24/12/2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ድምቀት ክኸብር እዩ
"ድምፂ ሰላም፣ ዜማ ናፅነት ድሙቕ ባህሊ — ኣሸንዳ ትግራይ!"
ኣዲስ ኣበባ — ታሪኻዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ክብርታት ትግራይ መሰረት ገይሩ ንዘመናት ባህላዊ ትሕዝቶኡ ከይተበረዘ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክስጋገር ዝመፀ በዓል ኣሸንዳ፡ ሎሚ ዓመት እውን "ድምፂ ሰላም፣ ዜማ ናፅነት ድሙቕ ባህሊ — ኣሸንዳ ትግራይ!" ብዝብል መሪሕ ቴማ ብዝለዓለ ድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተዛዚሙ ኣሎ።
ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ኩለን ክ/ከተማታት ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ምድላዋት ብድሙቕ ኩነታት ዝተኸበረ እዚ በዓል፡ ቀፂሉ ናይ መዛዘሚ በዓል ንቐፃሊ ሰንበት ኣብ ዓድዋ ሙዚየም አደራሽ ዓድዋ ዜሮ ዜሮ (Adwa Zero Zero) ካብ ሰዓት 6፡30 ጀሚሩ ብዝለዓለ ድምቀት ክኸብር እዩ።
እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደናግል ኣዋልድን በዓል ዝኾነ ኣሸንዳ፡ ባህላዊ መንነት፣ ፅባቐን ናፅነትን ደቂ ኣንስትዮ ንዓለም ዘበስር ዓብዪ ሃብቲ ምኻኑ ዝፋለጥ እንትኸውን፣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ኣከባብራ ድማ ብፍሉይ እዞም ዝስዕቡ ቀንዲ መልእኽትታት ክመሓላለፉ እዮም፦
• ኣሸንዳ ናይ ምትእኽኻብን ምራኸብን፣ ምስሳንን ሓድነትን መድረኽ ብምዃኑ፡ ኣብ ማሕበረሰብና ዘላቒ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድናን ንምጥንኻር ከም ዓብዪ ድልድል ኮይኑ ዝገልግል እዮሞ ንዕቅቦ ይግባእ።
• ባህላዊ ኣልባሳት፣ መጋየ ፂ፣ ሽልማትን ኣስራርሓ ፀጉርን ጐራዙ መሰረት ብምግባር ናይ ትግራይ ጥበባዊን ባህላዊን ፅባቐ ንዓለም ዘርኢ ናይ ፍቕሪ መድረኽ እዩሞ ከም ሃገር ክኽበር ይግባእ።
• ደቂ ኣንስትዮ ብደስታ፣ ብዜማን ብሽልማትን ማዕሪገን ድሌተንን ድምፀንን ብነፃነት ዘስምዓሉ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዘዕብያሉ ታሪኻዊ ባህላዊ መሰል እዩሞ ኩለን ደቂ ኣንእስትዮ ኢትዮጵያ ክኸተልኦ ይግባእ:: ዝብልን ካልኦትን ዘካተተ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ናይ ሰንበት 24/12/2018 ዓ.ም መድረኽ፡ መላእ ነባሪ እታ ከተማ፣ ናይ ትግራይ ተወለድቲ፣ ኣጋይሽን መራኸቢ ሓፋሽትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ትርኢታት፣ ናይ "ደቂ ኣሸንዳ" ዜማታትን ባህላዊ ኣልባሳትን ክደመቕ እዩ። እቲ መድረኽ ባህላዊ ክብርታትና ንምስፋሕ፣ ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር ከምኡ እውን ናይ ባህሊ ጸጋታትና ንዓለም ንምልላይ ዝዓለመ እዩ።
ስለዚ፡ መላእ ህዝቢ አዲስ አበባ፣ መራኸቢ ሓፋሽ፣ መፅናዕቲ ዘካይዱ ኣካላትን ኣጋይሽን ኣብዚ ባህላዊ በዓል ብምርካብ ናይዚ ድሙቕ ባህሊ ኣካል ክትኾኑ፣ ታሪኻዊ ጸጋታት ኣሸንዳ ምስ ኵሉ ፈታዊ ዳዱን ባህሉን ኾይንኹም ንዕብየት ባህልና ዘድሊ ድጋፍ ክትገብሩን ብኽብሪ ንፅውዕ።
መደብ ኣከባብራ በዓል፦
• ዕለት፦ ንቐፃሊ ሰንበት 24/12/2018 ዓም
• ሰዓት፦ ካብ ሰዓት 6፡30 ጀሚሩ
• ቦታ፦ ኣዲስ ኣበባ — ዓድዋ ሙዚየም (አደራሽ ዓድዋ ዜሮ ዜሮ)
መእተዊ:- 👉👉 ብነፃ
23/08/2026
በዓላት ከም ትግራይን ከም ህወሓትን ምኽባር ዘለዎ ኣፈላለይ ንምፍላጥ እዚ ክልተ ስእሊ ምርኣይ እኹል እዩ።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ ትግራይ ፀዊዓ ዝወፀ እንትኸውን ፣ ኣብቲ ናይ ሎሚ ድማ ህወሓት ፀዊዓቶ ዝወፀ የርኢ።
ከም ብሄር ከም ትግራይ እንትንእከብን ከም ፓርቲ ህወሓት ተኣከቡ እንትብሉናን ዘለዎ ፍልልይ ግልፂ እዩ።
ትግራይ እንትትፅወዕ “ኣቤት!” ዝብል ኩሉ እዩ። ህወሓት ፀዊዓቶ ዝሰምዕ ሰብ ግን ዳርጋ ከም ብርቅየ እንሰሳ (endangered species) ኣብ ምጥፋእ እዩ ዝርከብ።
ትግራይ እንትትፅውዕ ንገሩና፤ “ኣቤት !” ክንብል ኢና።
©️ Alula slomon
22/08/2026
እንኳዕ ንበዓል ኣሸንዳ ብሰላም ኣብፅሐኩም!
በዓል ኣሸንዳ ብፍላይ ንደቂ አንእስትዮ ትግራይ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ናይ ናፅነት፣ ፅባቐ፣ ንእስነት፣ ፍቕሪን ታሪኻዊ ውርሻ ሰብኣዊ ክብሪን ደቂ ኣንስትዮ ዝግለፀሉ ዓብዪ ባህላዊ ቅርስና እዩ።
ሎሚ ዓመት ነዚ በዓል እዚ እንትነኽብር፣ ብምኽንያት ድሕረትን ድንቁርናን ገዲም ወያኒት ነበር ውድብ ሕውሓትን ንሶም ዝቕልብዎም ኮርን ካብ ኮር ንላዕሊን ብዝፍጠርዎ መዋፅኦ ዘይብሉ መዋጥር ፣ ንህዝቢ ዝግለለ ጥቕሞም ንምውሓስ ክብሉ አብዝጀመርዎ ፅምዶን ኲናትን ወረ ኵናትን ኮይንና፣ ሰብአውን ሕገ መንግስታውን መሰላት ህዝቢ ትግራይ ብሕጊ አብ ዝተግሃሰሉን እዋን ኾይንና እነኽብሮ በዓል ብምኻኑ ዝተሓሳስብ እዩ፡፡
ስለ ዝዀነ ድማ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ከምዘይብሉ ብትረት ብምቁዋም፣ እቶም ብዘይምንም ቅደመ ኹነት ዘይግሃሱ መስል ደቂ ሰባት ንዓና ንተጋሩ ዉን ክነስተማቕሮም ግብእና ስለ ዝኾነ፣ ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ጉጅለ ድሕረት ክንስእኖም ምፍቃድ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምሕንሻ ሽሽ ማለት እዩ።
ስለዚ ናይ ሎሚ ዘበን በዓል አሽንዳ ብስንኪ "ደቂ ሰብ ፍሉይ ረብሓ" ንዝተበደላ፣ ፆታዊን ኣካላዊን ዓመፅ ንዝተሳቐያን፣ ፍትሒ ንዝስኣናን ድምፀን ንዝተዓፈነን ኣሕዋትና ድምፂ ብምዃን፣ ፍትሒ ንኽረኽባ ሓድነትና ብምጥንኻር ድምፅና ነስምዓሉ ታሪኻዊ በዓል እዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ምፍናቕል፣ ስእነት ሰላምን ሕፅረት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዝኸበደ ፆር ዝተሸከማ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድ ትግራይን እየን። እተን ንስለ ማዕርነት ዝተዃሽሓ ዋዕሮታት እዚ አይግብአንን:: መሰለን ክኽበር ይግባእ። መሰል ማለት ድማ ብህይወት ናይ ምንባር፣ ብኽብሪን ብማዕርነትን ናይ ምስራሕን ምምሃርን፣ ከምኡ’ውን ካብ ዝዀነ ይኹን ፆታዊን ኣካላዊን ዓመፅን ጥቕዓትን ናፃ ናይ ምዃን መሰረታዊ መሰል እዩ። ምርጋፅ ፍትሒን ምኽባር መሰል ደቂ ኣንስትዮን ንሓደ ሕብረተሰብ ዘላቒ ምዕባለን ሰላምን ዘምፅእ፣ መተካእታ ዘይብሉ ወሳኒ ተግባር እዩ። ንክትግበር ድማ ቓልስና ክነሐይል ይግባእ።
ተራ ትግራዋይን ሰብ ፍሉይ ረብሓ ካልኦት ተጋሩን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም፤ ዋላ ሓደ ሰብ ካብቲ ሓደ ዝበልፅ ወይ ዝትሕት የለን። ሰብኣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ትግራዋይ ብማዕረ ክኽበር፣ ሃብቲን ዕድልን ብፍትሓዊ መንገዲ ክመደብ፣ ፍትሒ ንዅሉ ብማዕረ ክበፅሕ ሕገ-መንግስታዊ መሰልና እዩ። ስለዚ፣ ፍትሒ ክነግስን ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅን ኣትሪርና ብምቅላስ፣ ፍትሒን ማዕርነትን ዝነገሰላ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብና ዝተሓለወላ መፃኢት ትግራይ ብሓባር ክነውሕስን ፣ኣብ ምውጋድ እቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ተጋሩን ኣብ ምንጋስ ማዕረነትን ፍትሕን ሰላምን ሓቢርና ንቃለስ ።
12/08/2026
ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ብዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ ዝተዉሃበ እዋናዊ መግለፂ!!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ኣብ እዋናዊ ፖከቲካዊ ኩነታት ትግራይን ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣብ ዝረኣዩ
ምዕባለታት በብእዋኑ እናተኸታተለ ንህዝብና መግለፅታት እናዉፅአ ከምዝመፀ ዝፍለጥ እዩ፡፡
በዚ መሰረት ጉጅለ ድሕረትን ገበንን ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ዝተጣየሸ ሕጋዊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ቀንዲ መሳሰይን ልኡኽን ናይ ግዳም ሓይልታት ብምዃን
ትግራይ ናይ ምድሪ ሲኦል ገይርዋ ይርከብ።
እዚ ጉጅለ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ስምምዕነት ዉዕል ፕሪቶሪያ
ከይትግበርን መስርሕ ስላም ከይጠናኸርን ዕሾኽ እናዘርአ ዝፀንሐ እንትኸዉን ካብ ዕለታዊ ጉጅላዊ
ረብሓታቱ ወፃኢ ካሊእ ዕላማ ከምዘይብሉ ብተግባር እንዳተረጋገፀ ዝመፅአ ሓቂ እዩ።
ኩሉ ግዜ ዘጨንቆ ጉዳይ ደሕንነት ህዝቢ፣ ምምላስ ተመዛበልን ምውሓስ ግዝኣታዊ ሉኣላውነትን ዘይኮነስ ጉዳይ ጉጅላዊ
ረብሓታቱን ንረብሓታቱ ከማልእ ዝፈፀሞም ገበናት ስዒቡ ዝመፅእ ናይ ተሓታትነት ጉዳይ እዩ፡፡
ነዚ ሓደ መርኣያ ሕዚ ዝገብሮ ዘሎ ዕንደራ ኩናት ናብ ኣዲስ ኣበባ 'ምበር ናብ ምውሓስ ልኣላውነትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ከምዘይኮነ ብዕሊ እናገለፀ ይርከብ።
በዚ ምኽንያት እዩ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ናይዚ ጉጅለ ካብ ኩናት ወፃኢ ዘይነብር ምስ መስርሕ ሰላም ከብድን ሑቖን እዮም ንብል ዘለና።
እዚ ፀረ ሰላም ሓይሊ ስልጣን ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ካብ ዝብሕት ንደሓር ብምኽሪ ሻዕብያ
ዘውፀኦም ሕግታት ይኹን ውሳነታት ነቲ ዓፋናይ ፀረ ህዝቢ መንነቱ እዩ አረጋገፁ፡ጉጅላዊ ረብሕኡ
ንምሕላው ብዓይኒ ዕሙተይ ናብ ሙሉእ ዓፈና ስርዓት ኣቲዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ገዛእ መሬቱ መእተዉን
መውፅእን ኣስኢኑ ከተማታትና ኣዕኒዩ ገጠራትና ኣባዲሙ መንእሰይ ኣልቦ ክልል ገይሩዋ ይርከብ ።
ኣብ ከቢድ ፖለቲካዉን ዲፕሎማሲያዉን ስዕረት ወዲቑ ካብ ህዝቢን ማህበረሰብ ዓለም እናተነፀለ ኣብ ናይ መወዳእታ ተስፋ ምቑራፅ ዝርከብ እዚ ሓይሊ ዓይኒ ዘውፅአ ዘይሕጋዊ ናይ ሽፍትነት ተግባራት
ይፍፅም አሎ፡፡
ንኹናት ዝዉዕል ገንዘብ ንምእካብ ብዘይ አገባብ ዝዘርፎ ዘሎ ናይ መኣድን ሃፍቲ ከይኣክል ንዘመናት
አብ ኢድ መንግስቲ ተዓቂቦም ዝፀንሑ ብሕጊ ከማሓድሮም ጥራሕ እምበር ክሸጦም ይኹን ናብ ሳልሳይ
ወገን ከመሓላልፎም ከምዘይከኣል ብኣዋጅ ንዝተደንገገ ቕርስታትን ህንፃታትን ሎሚ ንይስሙላ ጨረታ
ኣቕሪቡ ይሸጦም ከምዘሎ ውድብ ስምረት ኣረጋጊፁ'ሎ።
በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ኸይዲ ትሳትፉ ዘለኹም ሰብሃፍቲ እቲ ኸይዲ ጨረታ ይኹን መሽጣ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ፈሊጥኩም ንባዕልኩም ካብ ከምዚ
ዝመሰለ ተግባር ክትርሕቑ ደጊምና ክነፍልጥ ንፈቱ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ ንመናእሰይ ትግራይ ብሓይሊ ኣብ ምግፋፍ ኢድ ዘለኩም ኣካላት ካብ'ዚ ዘይሕጋዊ
ተግባር ክትቁጠቡ ብተደጋጋሚ ዋላ'ኳ እንተፍለጥና ሐዚ'ውን ንዘይረብሕ ዓስቢ ክትብሉ ተስፋ ቖሪፁ ሓድነት ተጋሩ ምስ ዝብትን ዘሎ ጉጅለ ተሰሊፍኩም ሓይሊ ብምጥቃም ኣብ ቅትለትን ግፋን መናእሰይ ትርከቡ ኩሉኹም ሕዚ ዉን ካብ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ተቖጢብኩም ምስ ህዝብኹም ክትስለፉ ውድብ ስምረት ደጊሙ ፃዉዒት የቕርብ።
ብኻልእ ወገን ሎሚ ቕነ ምስ ህግደፍን ካልኦት ሃገራትን ሓገዝቲ ኣለዋና ብዝብል ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣብ ዝተኻየዱ ዓውደ ውግእ ሸረሪና ይኹን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘጋጠመ ደብዳብ ድሮን ስዒቡ ዝበፅሐ ከቢድ ጉድኣት ከም ዉድብ ስምረት ዘሕዝን'ኳ እንተኾነ አብዚ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ሂወት ኪሳራ ተሓታትነት ዝሽከም ወግሐ ፀብሐ ዳንኬራ ኩናት ዝጉስም ዘሎ እቲ ዱሑር ጉጅለ ምዃኑ እንዳገለፅና ካብ ድሌት ወፃኢ ናብ ግንባራት እቶ ዝበሃል ዘሎ ዑጡቕ መንእሰይ ትግራይ እቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ኩናት አብ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ጥር እትብል ጥቕሚ ከምዘይብሉ ተረዲእኻ ኩሎም ዓይነት ኣማራፅታት ተጠቒምካ ሂወትካ ክተድሕን ውድብ ስምረት ይፅውዕ፡፡
እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ዉድብ ስምረት አብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ብዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ አብ
ህዝብና ዝለዓለ ህዝባዊ ድጋፍ ዝወነነ ዉድብ እንትኸዉን ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ፣
ኢኮኖሚያዊ ፣ማሕበራዉን ስነ ልቦናዉን ቅልዉላዉ ብሰላማዊ ቃልሲ ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ደለይቲ
ለዉጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስ ዘሎ ብሄራዊ ዉድብ እዩ፡፡
ይኹን ምበር ነቲ ዝለዓለ ህዝባዊ ቅቡልነትን ናይ ህዝብና ናይ ለዉጢ ተስፋን ንከይቕፅል ብዉሽጥን
ብደገን ዝተዋደደ ወፍሪ ፀለመ ኣብ ልዕሊ ዉድብናን መሪሕነቱን ይካየድ ኣሎ፡፡
ዉድብ ስምረት ዋላ'ኳ ገና አብ እግሪ ምትካል ዝርከብ ዕሸል ብሄራዊ ዉድብ እንተኾነ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብዉሽጥን ብደገን
ከበድቲ ፈተናታት ብፅንዓት እናመከተ ንቕድሚት ዝግስግስ ዘሎ ናይ ፅባሕ ናይ ተስፋ ዉድብ እዩ፡፡
ንዉድብ ስምረት ሓዉሱ ተስፋ ትግራይ ዝኾና ብሄራዊ ዉድባት ትግራይ ምስ ሲቪክ ማህበራትን
ፈረምቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ብምዃን ቤት ምኽሪ ሰላምን ለዉጥን ብምጥያሽ ኣንፃር ኣብ ትግራይ ዓሪዱ
ዘሎ ገባታይን ድሑርን ስርዓት ብሓባር ዘይተሓለለ ውዑይ ቓልሲ ይግበር ኣሎ፡፡
እንትኾነ ግና በዚ ናይ ለዉጢ ምንቅስቓስ ሕጉሳት ዘይኮኑ ውልቀሰባት ነቲ ዝተጀመረ ጉዕዞ ኮሊፍካ ብምፍራስ ስቓይ ህዝብና
ንምንዋሕን ዝተኸደ ርሕቐት ገና ከይሰጎመ ምብርዓኑ ክንሕብር ንፎቱ፡፡
ኣብዚ ሑሱር መስርሕ ብግብሪ
ዝተረኸቡ ኣብ ቀፃሊ ንህዝብና ግልፂ ከምንገብር እናሓበርና መላእ አመራርሓን ደገፍትን ዉድብ ስምረት
ብፍላይ ፣ ደለይቲ ለዉጢ ብሄራዉያን ዉድባት ድማ ብሓፈሻ ዝተጀመረ ናይ ለዉጢ ጉዕዞ አብ ጫፍ ንምብፃሕ በቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናህሪ ንክቕፅልን ቓልስና ንክንሐይልን ንፅዉዕ፡፡
ኣብ መወዳእታ እዚ ድሑር ጉጅለ ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆል ብዝብል አብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ
ዘሎ መጭወይትን መቅተልትን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቅራብ ኣገዳሲ ስለዝኾነ መላእ ህዝብና ሕድሕድ
መረዳእታ ክትሕዝ፣ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ተወዲብካ ክትቃለስ ዕድመ እዚ ጨካን ኣራዊት ጉጅለ ክተሕፅርን ዝተጀመረ ቃልሲ ኣጠናኺርካ ክትቅፅል ንፅውዕ።
መንግስቲ ፌዴራልን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ነዚ ፀረ ሰላምን ጠንቂ ዘይምርግጋዕ ናይዚ ዞባ ዝኾነ ጉጅለ ንምእላይን ናብ
ሕጊ ንምቕራብን ዝግበር ቃልሲ ደገፍኩም ክተጠናኽሩ ንፅውዕ።
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !
ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት)
6 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.
👇👇👇
07/08/2026
ናይ ሕሊናን ማሕበረሰባዊ ውድቀትን ዘስዐበ ውሳነ ትካላት ፊትሒ ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ — ሓደ ሕብረተሰብ ናይ ዕንደራን ግፍዕን መኣዲ ክኸውን እንተሎ፡ እቲ ዝዓበየ በደል እንተተፈፀመ ውን ገበን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ገበን ከም ንቡር ናይ ምውሳድ ወይ ብስቕታ ናይ ምሕላፍ ሕሊናዊ ውድቀት እዩ ዘስዕብ። ኣብ ኣደባባይ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጋህዲ ዝተቐተለት ንፅህቲ ጓል-ሂዋን ሓፍትና ዘውዱ፡ ሎሚ እውን ፍትሒ ስኢና ንኻልኣይ ግዜ በቲ ድሑር ጉጅለን ነቲ ስርዓት ዝሕሉ ዘሎ ሕሊና-ኣልቦ ዕጡቕ ሓይልን ብዘይንሕስያ ትቕተል ኣላ። እዚ ካብ ሞት ንላዕሊ ዘቑንዙ ካልኣይ በደል እዩ።
ሓፍትና ዘውዱ ክልተ ግዜ እያ ተበዲላ። ቀዳማይ፡ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድሚኣ ብጭካነ ህይወታ ብምቕጣፋ፤ ካልኣይ ድማ፡ ነቲ ብጋህዲ ዝተፈፀመ ገበን ፍትሒ ብምኽልካላ እዩ። "መረዳእታ ጠፊኡ" ወይ "ኣሰራርሓ ኣይፈቅድን" ብዝብሉ ብላሽ ናይ አድልዎ ምኽንያታት ብምፍጣር ፍትሒ ምዕፋን ገበን ምዃኑ እናተፈለጠ፡ እቲ ስርዓትን መሓውሩን ንትግራይ ንሲኦል እውን ኣብ ዘንዕቕ ናይ ስቓይ ማዕበል ኣንስፊፋዋ ይርከብ።
"ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ" ዝብል ዓለምለኻዊ ናይ ፍትሒ መበገሲ ንስድራ እቲ ድሑር ጕጅለ ኣይሰርሕን። ዝተፈላለየ ቢሮክራሲ ብምፍጣር ንስድራኦምን ንመሓውሮምን ካብ ተሓታቲነት ንምንትራፍ እቲ ንኻልኦት ዝቐፅዕሉ ሕጊ ክሰባብሩዎ ትርኢ። ደቂ ድኻታት ንምርሻን ዝጥቀሙሉ፡ ንኻልኦት ብዘይ መረጋገፂ ሓኒቖም ዝጨውዩሉ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊኦም እንተመፂኡ ግን ኣይሕተቱሉን ኣይቕፀዕሉን። እዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ፈረቓ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓኦም እዩ። ትካላት ፍትሒ ትግራይ ፍትሒ ምንጋስ ኣቢየን ባዕለን ናይቲ ገበን ተሓባባሪ ካብ ዝዀና ውዒለን ሓዲረን እየን።
ካብዚ ንደሓር ስቕታና ዋጋ የኽፍለና ኣሎ፤ ናይ ሕሊና ፈተና እውን ኮይኑና ይርከብ። እቲ ኣብ ኣደባባይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ብከምዚ ዝኣመሰለ ሽፋን እንተደኣ ሓሊፉ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ክንደይ ዝተሓብአ ግፍዕን ዘቖንዙ ጉድኣትን ይካየድ ከምዘሎ ምሕሳቡ ጥራሕ ዘሰምብድ እዩ። ሕሊናና ክሳብ ክንደይ እንተደኣ ተባላሽዩ እዩ ሕማቕ ምስማዕን ክፉእ ምርኣይን ልሙድ ገይርና "ዓገብ" ወይ "ኣይፋሉን" ምባል ዘይከኣልና፧ ነዚ ዘይሰብኣዊ ጭካነ ምኽንያታዊ ክገብር ዝደሊ ኣተሓሳስባ፡ ሰብኣውነት ዘይብሉ ሕሊናዊ ውድቀት ጥራሕ እዩ።
ፍትሒ ምሕታት ንበይንና ወይ ንሓደ ግዳይ ጥራሕ ዝግደፍ ናይ ውልቀ ጉዳይ ኣይኮነን። ፍትሒ ምሕታት ንባዕልኻ፡ ንስሙይነት ሕብረተሰብካ፡ ንመፃኢ ወሎዶን ንምኽባር ልዕልና ሕግን እዩ። ሎሚ ኣብ ጎኒ ውፁዓት ደው ዘይበለ ሕብረተሰብ፡ ፅባሕ ባዕሉ ናይቲ ውፅኢት ግዳይ ምዃኑ ኣይተርፎን። ስለዚ ኩሉ ትግራዋይ፡ መራሕትን ሲቪክ ማሕበራትን፡ ኣካላት ፍትሕን ብሓደ ልብን ብሓደ ድምፅን ኮይኖም "ይኣክል! ፍትሕን ማዕርነትን ይንገስ!" ክብሉ ይግባእ።
ንሓፍትና ዘውዱ ፍትሒ ክትረክብ ድምፂ ምዃን፡ ንሓደ መዝገብ ምዕፃው ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ልዕልና ሕጊ ምጥንኻር፡ ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ምርካብን ናብ ሰብኣውነት ምምላስን እዩ። ፍትሒ እንተዘይነጊሱ ማዕርነት ኩሉ ዜጋ፡ ሰላምን ዕብየትን ክህሉ ኣይክእልን።
ንወለዳን ንመላእ ቤተሰባን ኣምላኽ ፅንዓት ይሃብ፤ ንሓፍትና ዘውዱ ድማ ፍትሒ ይንገስ!
03/08/2026
ፖለቲካዊ ውዲትን ምግሃስ ልኡላውነትን ሃገርን__ ካብ ታሪኻዊ ጥልመት ዝመንጨወ ሓደገኛ ኣካይይዳ ሕውሓት
አዲስ አበባ — ካብ ቀደም ጀሚሩ ሃገር ምጥላም ዝጀመረ ጸሊም ታሪኽ ሕውሓት ሎሚ እውን ኣብ ፖለቲካዊ መገዲ ብዝኸፈአ ኣገባብ ይድገም ምህላዉን ሃገራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎን ይርአ። ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ኣፍልጦ ከይረኸበ ሰራዊት ጎረቤት ሃገር ምውፋር፡ ንልኡላውነትን ድሕንነት ዶብን ሃገር ዝግህስን ካብ ባንዳነት ዘይፍለይ ተግባር ምዃኑ ኹሉ ዝፎልጦ ሓቂ እዩ። ዕጡቓት ሕወሓት ፣ ባህላውያን ጀነራላትን ካድረታትን ምስ ጀነራላት ሰራዊት ኤርትራ ዝገበርዎ ርክብ ንዕቀትን ሓደገኛ ኣቀራርባን እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ልኡላውነት ብንጹር ዘርኢ ባንዳዊ ተግባር እዩ።
ምስ ኤርትራን ግብጽን ብምትሕብባር ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገር ንምብታንን ንምጥፋእን ኣብ ውዲት ምውፋር፡ እቲ ታሪኻዊ ሕድሪ ጥልመት ሎሚ እውን ይቐጽል ከምዘሎ መርትዖ ምዃኑ ምምልካት የድሊ። ረብሓታት ሃገር፣ ክብሪ ዶባታን ድሕነት ህዝባን ኣብ ምዝመዛ ባዕዳውያን ሓይልታት ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘጠቓልል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት ዘሕፍር ክሕደት ኮይኑ ከምዝመዝገብ ክፍለጥ አለዎ። እዚ ኣብ መንጎ ሕወሓትን ሻዕብያን ዝረአ ዘሎ ናይ ጥልመት ታሪኽን ውዲትን ንሃገራዊ ልኡላውነትን ድሕንነትን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ንወለዶታት ዘሕፍር ታሪኻዊ ክሕደት ኮይኑ ዝስነድ እዩ።