AV Sports

AV Sports

Share

football News || ዜናታት ስፖርት

10/05/2026

13/07/2025

ኩርዓት ለንደን ቸልሲ!!

ናይ ሎሚ ዓመት ፓሪስ፡ ኣብ ቅድሚኣ ንዝጸንሐ ኩሉ ዓይነት ክብርታት ዝገሓጠትን፡ ብማራኪ ጸወታኣን ሸቶታት ዘይጸግብ ሸውሃታን ቀሊቢ ገዚኣ ዝጸንሐት ክለብ"ያ።
ክሳብ ፍጻመ ንምብጻሕ ውን
ንከም ሙኒክን ማድሪድን ዛኣመሰላ ዓበይቲ ክለባት ብዘእምን ብቅዓት ኣውዲቃ"ያ ናብዚ ናይ ፍጻመ መድረኽ በጺሓ።

ናይ ኢንዞ ማሬስካ ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ግን፡ ዘይከምቲ ቅድሚ ጸወታ ዝተዋህባ ትሑት ግምት፡ ንፓሪስ 90 ደቃይቅ ሓኒቃ፡ ብገዚፍ ናይ 3-0 ዓወት ቻምፒዮን ዓለም ኮይና።

ሓበን ለንደን ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ፡ እታ እንኮ ንኩሉ ክብርታት ክትውንን ዝበቅዓት ዓባይ ለንደናዊት ክለብ ምኳና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ከኣ ናይ ፈለማ ጎብለል ዓለም ብምኳን ክብሪ ደፊኣ ።

Congratulations.

Photos from AV Sports's post 03/07/2025

RIP Diogo Jota & André Silva 🕊️
ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ስፖርት ዓለም!!

21/03/2025

ስድራቤት ኣሌክሳንደር ጠዓመ ኢሳቅ!!

26/12/2024

መልእክቲ ሓድሽ-ዓመትን ልደትን ካብ ቢንያም ግርማይ ‼️

ሰላም!

ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ትነብሩ መላእ ህዝብናን ሰራዊትናን ብሓፈሻ ርሑስ በዓል ልደትት ሓድሽ-ዓመት ክኾነልና ይምነ።

27/10/2024

ኣርሰናል 2-2 ሊቨርፑል FT.
[ጋርዲዮላ ናብ ናሕሲ ደይቡ ኣሎ]

27/10/2024

ኣብዛ ዓመት ዋንጫ ፕሪመርሊግ ንምልዓል ዕላማ ጌራ ዛኣተወት ኣርሰናል፡ ብሰንኪ መስበርቲ ተጻወቲ ዕላማኣ ብከቢድ ዝፍተን ይመስል።

ሎሚ ንጋብሪኤልን ቲምበርን ብማህረምቲ ዝሰኣነት ኣርሰናል፡ ናይ ማርቲን ኦዲጋርድ ተወሲክዎ፡ ኣርቴታ ቀዳመይቲ ጋንቱኡ ብከቢድ ትፍተን ምስ ምህላዋ፡ ዝክሰር ዘሎ ነጥቢ ኣብ ስነልቦናዊ ጸቅጢ ክሸሞ ይክእል"ዩ።

ኣርሰናል ገና ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እንዳሃለወት ካብ ሲቲ ብ5 ነጥቢ ተፈንቲታ ትርከብ።

AV Sports

27/10/2024

ግብጻዊ ኮኾብ መሓመድ ሳላሕ ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ዝበዝሐ ሸቶ ተጻዋታይ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ንምኳን 2ተ ሸቶታት ይተርፎኦ።

ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገቡ ተጻወቲ…

1ይ ሃሪ ኬን - 14 ሸቶታት
2ይ ዋይን ሩኒ - 12 ሸቶታት
3ይ መሓመድ ሳላሕ -11 ሸቶታት

AV Sports

27/10/2024

🗣| ሊሳንድሮ ብዛዕባ ስዕረት ዩናይትድ ከምዚ ይብል…

"ብጣዕሚ ሓሪቀ ኣለኩ። ስዕረት ኣዚዩ እዩ ዘጽላኣኒ። ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረልና ክንስና፡ ነዚ ውጺኢት ክነምጽእ ኣይግባእ። "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸወታ ክንዕወት ንደሊ ኢና።"

AV Sports

27/10/2024

ንኩሉ ሓጥያት ተንሃግ ክስከሞ ቅቡል ዲዩ ?
ተጻወቲ ዩናይትድ መንፈሶም ምሶኦም የለን።

Want your business to be the top-listed Gym/sports Facility in Addis Ababa?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Category

Website

Address


Addis Ababa