Tigray Sports Academy

Tigray Sports Academy

Share

Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Sports Academy, Mekelle.

04/11/2024
07/06/2023
27/04/2023


*****\\\\\\***********
ናብ
==
ንዓለምለኸ ናይ ኦሎምፒክ ኣባል (አይኦሲ) ፕሬዝዳንትን IOC ስራሕ ኣፈፀምቲ ቦርድ ኣባላት

ንዓለምለኸ ናይ ኦሎምፒክ ኣባል (አይ.ፒ.ሲ) ፕሬዝዳንትን ናይ አይ.ፒ.ሲ አመራርሓ ኣባላት

ንIOC ኣትሌታት ኮሚሽን ፕሬዝዳንትን ን IOC ኣትሌታት ኮሚሽን ኣባላት

ን IPC ኣትሌታት ምኽሪ ቤት ፕሬዝዳንትን ንአይፒሲ ኣትሌታት ምኽሪ ቤት ኣባላት

ዋኒኑ:- ብዛዕባ ፍትሒ ምጥያቅ ይምልከት
===========================
ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብሓፈሻ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ብፍላይ ሕዱርን ፅልኢ ዘለዎምን ሓደሓደ ዕሱባትን ካብን ካብትን ተኣኻኺቦም ካብ ምድረ ገፅ ከፅንትዎ ኩሉ ዓይነት ኲናት ኣውጆም ሰብኣዊ ፍጡር ክፍፅሞ ይኽእል እዩ ኢልካ ክትሓስቦ ይትረፍ ክትሓልሞ ዘይትኽእል ግፍዒ ፈፂሞም እዮም።

ኣብዚ ከም ትግራይ ስፖርት አካዳሚ ብፍሉይ ክንዛረበሉ ዝደለና ድማ: ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብኹሉ መዳይ ኣብ ህንፀት እዛ ሃገር ዝነብሮ ልዑል ኣበርክቶ ዝፍለጥ ኮይኑ ብስፖርታዊ መዳይ እውን ኣዝዮም ስሙያትን ብስነምግባሮም ብኹሉ መለክዒ ምስጉናትን ኮይኖም ኣብ ምዕባይ ስፖርታዊ ንጥፈታት ናይዛ ሃገር ዕዙዝ ምንባሩ ክዝከር ይግባእ:: እዚ ኮይኑ እናሃለው ግና ብታሪኽ ኣጋጣሚ ሽም ዝረኸቡን ፅዕንቶ ዝፈጥሩን ሓደሓደ ኣካላት ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ ወገናውነት ርሒቖም ንሰላምን ንፍትሕን ደው ክብሉ እናተገበኦም ብሽም "አንድ ኢትዮጵያ" ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ታሪኹን ክዘምቱን ዘርኢ ናይ ምፅናት ወፍሪ ክገብሩን ተዓዚብና ኢና::

ንሕና ከም ተጋሩን ከም ትግራይ ስፖርት አካዳሚ ነዞም ኣካላት እዚኦም ብህፁፅ ዝገበርዎ እኩይ ስነምግባር ዕላዊ ይቕረታ ክሓቱን ንፅውዕ::

ኣብ ስፖርት ይምልከቶም እዩ ተባሂሉ ንክመርሑ ዕድል ተዋሂብዎም ምኽኣልን ምምራሕን ኢድን እግርን ጠፊእዎም እንተቋርፅዎ ኣብ ዘይምልከቶም ፖለቲካ ኣትዮም ድማ ከምድላዮም ዝሕምዝቁ ዘለው ተፅዕኖ ፈጠርቲ ኢና ዝብሉ ውስናት አትሌታትን ሰብሞያ ስፖርት ኢትዮጵያ ኣአይንርሰዖም።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ኣካላት ህዝቢ ትግራይ ብመንነቱ ካብ ገፀ መሬት ክጠፍእ (ethnic cleansing )ዝድግፉ መድረኽ እናዳለው ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኢ- ፍትሓዊ ዘርኢ ዝሳተፉ ውሕዳት ኣትሌታትን ሰብሞያ ስፖርትን ኢትዮጵያ አይንርሰዖምን።

ግዜ ረኺቦም ናይ ዘመናት ታሪኻትን ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ ክምንዙዑን ከራኽሱን ብዋና ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ መሬት ዓለም ንክጠፍእ ዝድጉፉ ብተወሳኺ እውን ኣብዚ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ስፖርት ትግራይ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተፅዕኖ እናፈጠሩ ዝመፁ እዃ እንተኾኑ፤

ተፅዕኖ ፈጠርቲ ኢና በሃልቲ ዕሱባትን ውሑዳትን ዓበይቲ ኣትሌታትን ናይ ስፖርት ሰብሞያታትን ኢትዮጵያ ግዜ ረኺቦም ኣብ ዘይምልከቶም ስፖርታዊ ጨዋነት ዝጎደሎ ጠብሎቅሎቅ ዝብሉን ነቲ ዝወዳደሮ ዘየብሉ ጀግና ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእ ደቁ ዝረኸቦ ክብርን ዝናን ሩሁብ ሃፍትን ምችው ስርዓትን ናብ ዓለም ኣደባባይ ክብሪ ንባዕሎም ክብሪ ሃገር እንታይ ምዃኑ ንዘምሃሮ ህዝቢ ከደስኩሉ ላዕሊ ታሕቲ ዝብሉ ኣትሌታትን ናይ ስፖርት ሰብ ሞያታትን ኢትዮጵያ ተራእዮምን ፈቲኖምን እዮም።

እዙይ ጥራሕ ዘይኮነ ጀጋኑ አትሌታት ትግራይ ከምኒ በዓል ማርሽ ቀያሪ ጀግና ሻምበል ኣትሌት ሙሩፅ ይፍጠር ፣ ሓዱሽ ኣበበ፣ ኣኸዛ ኪሮስ ፣ ገ/ሄር ገ/ማርያም፣ ወርቅነሽ ኪዳነ ካልኦትን ብብሄራዊ ደረጃ ብርክት ዝበሉ ጀጋኑ ኣትሌታት ትግራይ ኣብ መድረኽ ዓለም ንክብሪ ባንደራ ሃገሮም ታሪኽ ዝሰሩሑን ዝተዋደቁን ብሂወት ዘለውን ዘየለውን ተጋሩ ኣትሌታት ክብሪ ዘይምሃብን ክሕደት ኣብ ርእሲ ክሕደት ተፈፂሙ እዩ።

ሳላ እቲ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ሂወት ገቢሩ ዘምፀኦ ሰላም፣ መሰረታዊ ልምዓት ስፖርት ፣ ብርክት ዝበሉ ጀጋኑ አትሌታት ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ውድድር ብማሕበራውን ኢኮኖምያውን ለውጢ ከምፅኡ ዝላዓለ ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ጀግና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕድሕድ ክልላት ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ መሰልጠኒ ማእኸላት ስፖርት ፤ ዓበይቲ መሰረታዊ ልምዓት ስቴዴማት(stadium)ብምህናፅ፤

ነዙይ ድማ ታሪኽን ክብርን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘይምርዳእ እንተይኮነስ ኮነ ኢሎም ህዝቢ ትግራይ ነቲ ገጢሙዎ ዘሎ ከቢድ ፈተና ከቀፃፅሉ ኣብ ዓለም ተገይሩን ተፈፂሙን ዘይፈልጥ ሰብኣዊ ጥሕሰት (Genocide ) ኣብ ልዕሊ ህፃናት፣ሰገናት፣ መናእሰያትን ዓበይትን ሞትን ስቅያትን ብምብፃሕ፤
ብፋላይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ፅባሕ ኣብ ቅድሚ ዓለም ታሪኽ ክብሪ ሃገረ ኣብ ዓለም ኣደባባይ ብስፖርት ተወዳዲረን ወርቂ ከምፅኣ ትፅቢት ዝግበረለን ደቂ ኣነስትዮ ምድፋርን ምዕማፅን (Rape)ፈፂሞም እዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ብስነ-ልቦና ንዘለኣለም ጠበሳ ሂሊና ንክህልወን ወዲሰብ ክፍፅሞ እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ክፍፀም ኪኢሉ እዩ።

መፅናዕቲታት ከም ዝሕብሮ ኣብ ትግራይ ኣብዚ 2ተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሃነፀቶምን ዝሰረሐቶም መሰረታዊ ልምዓታት ስፖርት በዞም ወረርቲ ሓይልታት በሪሶምን ተሰሪቆምን እዮም።

ካብቶም መፅናዕቲታት እቲ ሓደ ብስፖርት መዳይ ጥራሕ እዃ እንተሪኢና ኣብ 52 ወረዳታት ትግራይ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ዝነበሩ ህፃውንቲ፣ ሰገናት፣ መናእሰያት ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ንዓመታት ዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት መሳርሒታት ብወረርቲ ሓይልታት ልዕሊ 3.5 ቢልዮን ገንዘብ ዝግመት ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ስፖርት ብወረርቲ ሓይልታት ተቃፂሎምን ተሰሪቆምን እዮም ።
ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርት ሰላም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ውዑይ ዝኾነ ምንቅስቃስ ስፖርት ከም ዝነበረ ኩላትና እንዝክሮ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ግና በዞም ወረርቲ ሓይልታት ዝነበሩና ኣብ 52 ወረዳታት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ዝተፈላለዩ በዝሒ ናይ ስፖርት መዘውተሪ ስፍራታት ልዕሊ 800 ህፃውንቲ ልምዓት ስፖርት ፕሮጀክትታት፣ ልዕሊ 700 ሰገናትን መንእሰያትን ልምዓት ስፖርት ፕሮጀክትታት፣ ልዕሊ 550 ዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርት ክለባት ከምኡ እውን ናይ ስፖርት መሰልጠኒ ማእኸላት በሓፈሻ ኣብ ሓደ ዓመት ልዕሊ 2 million ዝግመት ህፃውንቲ፣ ሰገናትን መናእሰያትን ስልጠናታትን ውድድራትን ብሰንኪ ወረርቲ ሓይሊታት ዝነበረ ስፖርታዊ ምንቅስቃስ ጠጠው እንትብል ብተወሳኺ ልዕሊ 87 ሽሕ ዝግመት ዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርት ሞያ ዝመርሑ መሰልጠንቲ፣ ደያኑ፣ ቡዱን መራሕቲ ፣ አመራርሓ ስፖርት ብሓፈሻ ሰብሞያትት ስፖርት ትግራይ ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቆም ይርከቡ።

ነዙይ ከዓ አህጉራውን ዓለምለኻውን ኣመራርሓ ማሕበር ስፖርት ንዓለምለኸ ናይ ኦሎምፒክ ኣባል (አይኦሲ) ፕሬዝዳንትን IOC ስራሕ ኣፈፀምቲ ቦርድ ኣባላት፣ንዓለምለኸ ናይ ኦሎምፒክ ኣባል (አይ.ፒ.ሲ) ፕሬዝዳንትን ናይ አይ.ፒ.ሲ አመራርሓ ኣባላት፣ንIOC ኣትሌታት ኮሚሽን ፕሬዝዳንትን ን IOC ኣትሌታት ኮሚሽን ኣባላት፣ን IPC ኣትሌታት ምኽሪ ቤት ፕሬዝዳንትን ንአይፒሲ ኣትሌታት ምኽሪ ቤት ኣባላት ወዘተ ነዚ ገበን ዝፈፀሙ ብዘይሻራዊ ክፃረዩን ናብ ሕጊ ክቀርቡን ዳግም ስፖርት ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስ ዘየቋርፅ ድጋፍ ብፋይናንስን ስፖርት መሳርሒታትን ክድግፋን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ትግራይ ጠጠው ክብሉ ትግራይ ስፖርት ኣካዳሚ ብህፁፅ ንፅውዕ።

ከም ትግራይ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምን ዝህልወና ልዕልና ኣፍልጦን ንምርግጋፅ ብትኩረት ሪኢና ትግራይ ማእኸል ሓድነትና ፣ ሰላም፣ ልምዓትናን ህላወናን ኣብ ቅድሚ ዓለም ታሪኽ እንሰርሐሉ፤

ብተወሳኺ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ምቅላዕ ብላዕሊ ናብ ዓበይቲ ትካላት ስፖርት ዓለም ዝመርሓ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ቢሮታት ወይ ትካላት ከም ኣብነት ንዓለምለኸ ናይ ኦሎምፒክ ኣባል (አይኦሲ) ፕሬዝዳንትን IOC ስራሕ ኣፈፀምቲ ቦርድ ኣባላት፣ንዓለምለኸ ናይ ኦሎምፒክ ኣባል (አይ.ፒ.ሲ) ፕሬዝዳንትን ናይ አይ.ፒ.ሲ አመራርሓ ኣባላት፣ንIOC ኣትሌታት ኮሚሽን ፕሬዝዳንትን ን IOC ኣትሌታት ኮሚሽን ኣባላት፣ን IPC ኣትሌታት ምኽሪ ቤት ፕሬዝዳንትን ንአይፒሲ ኣትሌታት ምኽሪ ቤት ኣባላት ወዘተ ዘኣመሰሉ ስፖርት ካውንስል ኣብ ዳግም ህንፀት ስፖርት ትግራይ ክድጉፉና ብተወሳኺ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ተረባሪብና ዳግም ስፖርት ትግራይ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ክድግፍን ክሕግንዝ መልእኽትና እዩ።

ትግራይ ስፖርት ኣካዳሚ

18/8/2015 ዓ/ም

27/04/2023

!

ስፖርት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ካብ ሕድሕድ ትግራዋይ እንታይ ትፅቢት ይግበር? ።

ትግራይ ስፖርት ኣካዳሚ

ኣብ ዕብየት ስፖርት ትግራይ ቅድምያ ይሰርሕ!

27/04/2023

!!
****&&&*****
👉ዓለም ትጠልበካ ኣብ ጥንካረኻን ኣብ ቅልፅምካ እዩ!
✍️"ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ"💪
ንትግራይ ሐዚ እዩ ካብ መሃሙቅ ፀልማት ክነውፀኣ ተረባሪብና ሓላፍነት ዝተመለኦ በቢሞያና ትግራይ ተፈራሒትን ተሃራፊትን ንምግባር ብሙሉእ ሳይነሳውን ስትራተጅካውን ብተግባር ኣብ መሬት ብዓቅሚ፣ ብፍልጠትን ክእለትን ሰጥ ለበጥ ኢልና ለይትን ቀትርን 👉ታርጋና ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ውሽጢ ትግራይ ቆላሕታና ምስ እንገብርን ዘላቂ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ትካላዊ ስራሕቲ ዓወት ምስ ነምፅእ እዩ ዓለም ትጠልበናን ትፈርሐናን።

👉ግዜ የለን
ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ኣላ።ሎሚ ንትግራይ ዘይኮና መዓዝ ኢና ክንኮን ። "ግዜ የለን" ትግራይ ትነብዕ ኣላ። ትግራይ ካባይን ካባኹምን ድጋፍ ክትረክብ ትፅውዕ ኣላ። ትግራይ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ክትወፅእ ኩልኻ ተረባረብ ተቃለስ ግዜ የለን "ውፈር" ናብ ስራሕ ዘረባ እንተብዛሕኻ ትርጉም የብሉን
👉ዓለም ትጠልበካ ኣብ ጥንካረኻ እዩ።

"ቆላሕታና ንትግራይ ንግበር።

ትግራይ ስፖርት ኣካዳሚ ኣብ ረብሓ ትግራይ ዝቃለስ ዘሎ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ግፍዒ ድምፂ ካብ ምዃን ሓሊፉ ትግራይ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ትግራይ ተበጊሱ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ፀጋታት ብዝግባእ ተረዲኡን ሓቁፉን ዝኸድ ዘሎ ፕሮጀክት እዩ።

እዙይ ከዓ መፃኢ ብራኸ ትግራይ ኣብ ቅድሚ ዓለም ብስፖርት ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ መንነት ህዝቢ ትግራይን ዘላልየሉ ዕድላት ንምፍጣር ብስፍሓት መሰረታዊ ክስርሑ ዝግበኦም መሰረታዊ ረብሓ ፀጋታት ትግራይ ብምርዳእ ዕምቆት ብዘለዎ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተደገፈ ዘመናዊ ስፖርት ምስፍሕፋሕ ኣብ ትግራይ ክህሉ ትካላዊ ብዝኾነ ስትራቴጂ መንገዲ ክነጠናክሮ ዝገጠመና ናይ ፀልማት ሂወት ተቀንጢጡ ናብ ረብሓና ክነውዕሎ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ሓድነት ዝጠልበሉ እዋን ኢና ዘለና።

ንተኣኻኸብ ተጋሩ!

ክቅፅል እዩ

ትግራይ ስፖርት ኣካዳሚ

Want your business to be the top-listed Gym/sports Facility in Mekelle?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Telephone

Website

Address


Mekelle