26/08/2025
ማድሪድ ንበዓል ብሉፅ ታለንት ኒኮፓዝ መሊኦም ክስእንዎ ኣይደልዩን...ንኮሞ ብ6ሚ እንትሸጥዎ ኣብ ቀፃላይ ክረምቲ ኣክቲቭ ዝኸውን ብ10ሚ መልሲኻ ንምግዛእ ስምምዕነት ኣለዎም...ኣብ 2026 ናብ ማድሪድ ምምላሱ ኣይተርፍን...ኒኮ ፓዝ ዝገርም ቴክኒካል ክእለት ዘለዎ፣ ብሉፅ ፓሰር፣ ቁልፊ ኳዓሳሱ ንምቕባል ዘኽእል ምልከታ ዝተዓደለ፣ ድሪብለር፣ ብፀጋማይ እግሩ ካብ ቦክስ ወፃኢ ኣኽሪሩ ዕላምኡ ዝሓለወ ኩዕሶ ክወቅዕ ዝኽእል፣ ቨርሳታይል፣ ንክትሪኦ ብጣዕሚ ዝስሕብ ተፃወቲ እዩ... ኮሞ ኣብ 1ይ ፅዋትኦም ንላትዝዮ ኣብ ዝሰዓርሉ ፅዋታ ፅብቅቲ አሲስትን ካብ ፍሪኪክ ብልፅቲ ሸቶን ብምቑፃር ዓመቱ ብድምቕ ክጅምር ክኢሉ እዩ...ኮሞ ፅዋታ እንትህልዎ ዓይንኹም ካብኡ ኣይትንቀሉ...ኒኮ❤
25/08/2025
አርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ንኤዜ ሐዚ ድማ ንሂንካፔ ካብ መንጋጋ ቶተንሃም ንምምንጣል ምንቅስቃስ ጀሚሮም ኣለዉ...ወዲ 23 ዓመት ኢኳዶራዊ ተኸላኻሊ ሂንካፔ ካብ ሌቨርኩዝን ምውፃእ ከምዝደልን ውዕሊ መፍረሲ 60ሚ ዝኸፈለ ክለብ ክወስዶ ከምዝኽእል እናተገለፀ ይርከብ...
አንድሪያ ቤርታ ግን ሰሜን ለንደን ዓወደ ኲናት ክገብሮ እዩ ሓሳቡ😁
24/08/2025
ኣሞሪም ኣብ ክልቲኡ ፅዋታ ዝተጠቐመሉ ጥምረት ኩኛ-ማውንት-ምቤሞ ክሰርሕ ኣይኸኣለን..ኩኛ ብሱሩ 9 ቑፅሪ ኣይኾነን...ማውንት ክሰልፎ ተደልዩ ወይ ብሩኖ ኮፍ ኣቢሉ ምስ ሓደ DM የጣምሮ ወይ ምስ ኩኛ ናቐያየርኻ ምፅዋት... ቡሩኖ ኣብ ማእኸል ብዳብል ፒቮት ምፅዋት ሪስኩ ዝበዝሐ ይመስል...ዩናይትድ ኣብቶም ዝቐሩዩ ናይ ዝውውር መዓልትታት ሓደ ዲፌንሲቭ ሚድፊልደር ናይ ግድንንንን ከፈርሙ ኣለዎም... ካዚሜሮ ኡጋርቴ ናቐያየርኻ ኣይኸውንን...ብተወሳኺ ኣሞሪም ካብ ልገበሮም 5 ቅያርታት 4ቲኦም ናይ ምክልኻል ባህሪ ዘለዎም ተፃወቲ እዮም...ዳሎ፣ማጉ፣ሄቨን + ኡጋርቴ...እቲ ቲም ሸቶ ኣብ ልደልየሉ መወዳእታ ሰዓት ሄቨንን ማጉዌርን ምእታዉ ታይ ይበሃል? ማይኖ ንቡሩኖ፣ ዘርክዚ ንምቤሞ ቀይሩ ብምእታው ኣብቶም ዝቀረዩ ደቃይቅ ሸቶ ንምርካብ ምሙካር ዶ ኣይምሓሸን?
24/08/2025
👉 ዩናይትድ ብ2 ሸቶ ኣፈላላይ መሪሖም ክወፅሉ ዝኽእልሉ ዕድል ኣይተጠቐምሉን..
👉 ዩናይትድ ብዘይ 9 ቁፅሪ ናይ ቦክስ ፕረዘንስ ዝሰኣነሉ... ኣብ ቅድሚት ዘሎ ጥምረት ኩኛ-ማውንት- እምቤሞ ብዘለዎም ናይ ሚድፊልድ ባህሪ ኣብ ቦክስ ውሽጢ ብዙሕ ግዘ ንከየሕልፉ እናገበረ ይርከብ...
👉 ኩኛ ኣብ መጀመርያ ከባቢ ሸቶ ክኾኑ ዝኽእሉ ሙከራታት እኳ እንተካየደ ንድሕሪት እናተመለሰ መስሪቱ ንምእታው ዝገብሮ ፃዕሪ ኣብ ቅድሚት ኢንርጂኡ ወዲኡ ንክበፅሕ ይገብር ኣሎ
👉 ማውንት ፅቡቅ 45 ዘሕለፈሉ...ካብዚ ንላዕሊ ብፍላይ ሴሽኮ ተሃልዩ ዕድላት ክፈጥር ከምዝኽእል ዘመስከረሉ ቅድሚ ዕረፍቲ
23/08/2025
ንቶተንሃም ዝተገበአ ዓመት ብወገን ሲቲ ዝወረደ ፐርፎርማንስ
23/08/2025
ንሲቲ ዋጋ ዘኽፈለ ናይ ኣማተር ስሕተት ካብ ትራፎርድ
22/08/2025
"ተጋጣሚ ንፓልመር ብደንቢ ማርክ ተገይረምዎ ቼልሲ ካልእ ዘፍርሕ ነገር ዘለዎም ኣይመስለንን" ክብል ፖል ሜርሶን ስግኣቱ ዝገለፀ እንትኸውን ሓሳቡ ሚዛን ዝደፍእ ኾይኑ ንረኽቦ...ኣብ 1ይ ፅዋታ ፓላስ ኣብ ሞንጎ መስመራት ዘሎ ስፔስ ኣፅቢቦም፣ ንፓልመር እናተኸታተሉ ማርክ ብምግባር ምስ ኩዕሶ ግዘን ቦታን ረኺቡ ዕድላት ከይፈጥር ብዝግባዕ ዓጊቶም ፓልመር ምንም ነገር ከይፈጠረ ንክወፅእ ኣኽኢልምዎ ምንባሮም ይዝከር...ፓልመር ንእሸትይ ስፔስ ተረኺቡ ብደንቢ ክቐፅዓኻ ዝኽእል ተፃዋቲ እዩ... ስለዚ ሎሚ ምሸት ዌስትሃም ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ንፓልመር ማርክ ንምግባር ምፍታኖም ስለዘይተርፍ ማሬስካ ነዚ ክምክት ዝኽእል ካውንተር ታክቲክ ሒዙ ክቐርብ ትፅቢት ይግበር...
21/08/2025
🇳🇴 ፌዴሬሽን ኩዕኮ እግሪ ኖርወይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መፃረዩ ፅዋዕ ዓለም ምስ እስራኤል ኣብ ዝገብርዎ ፅዋታ ዝርከብ ሙሉእ ኣታዊ ንፍልስጤማውያን ሓገዝ ከምዝውዕል ኣፍሊጡ🙏
21/08/2025
በዚኦም ግዜ ስፓርቲንግ ዳይሬክተር ይኹን ዳሬክተር ኦፍ ፋትቦል ዝበሃል ነገር ኣይነበረን...ኣብቲ ክለብ ዝለዓለ ናይ ምውሳን ስልጣን ኣብ ኢዶም እዩ ነይሩ...ብፍላይ ኣብቲ ቲም ንሶም ዘይፈለጥዎ ዘይኣመንሉ ነገር ብፍፁም ኣይግበርን...ሕድሕድ ነገር ኣብ ቑፅፅሮም እዩ...በቢ ዓዱ እናተዘዋወሩ ታለንትድ ተፃወቲ ምምልማል፣ ምምራፅ፣ ድርድር ምክያድ ብቻ ኣብ ኹሉ ነገር ዓሸርኦም ይርከብ...ንተፃወቲ ብግሊ ኣብ ጠረፔዛ ኮፍ ኣቢሎም እንተድሊ ውን ድራር እናጋበዙ ንክለቦም ንክፍርም ዘእምንሉ ግዘ ነይሩ...ሕሉፍ ሓሊፉ ብዕድመ ገና ንዝኾኑ ታለንትድ መንኣሰያት ንስድርኦም ረኺቦም ወዶኹም ናባና እንተፈሪሙ ንዕብየቱ ብጣዕሚ ተቃሚ እዩ እናበሉ ዲፕሎማሲ ምስራሕ ዝኽእሎም ኣይነበረን... #ፈርጊ #ቬንገር❤
20/08/2025
አርሰናል ኤብሬቺ ኤዜ ንምፍራም ምስ ፓላስ ቀጥታዊ ዝርርብ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ...እቲ ተፃዋታይ ድሌቱ ናብ አርሰናል ምኻኑ እቲ ዝውውር ቀልጢፉ ዝውድአሉ ዕድሉ ዝለዓለ እዩ...ብፍላይ ካብ ቶተንሃሞ መንጢሎም ዘፈርምዎ እንተኾይኖም ንደገፍቲ አርሰናል ድርብ ሓጎስ ክኸውን እዩ...
ድሕሪ መጉዳእቲ ካይ ሀቨርት ተጓየ ዶ ኾነት😁
20/08/2025
ማሕበር አሰልጠንቲ ጣልያን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ብትፍፅሞ ዘላ ግፍዒ ካብ ኩዕሶ እግሪ ንክትአገድ ናብ ዩኤፋን ፊፋን ደብዳበ ልኢኾም...ኩዕሶ እግሪ ጣልያን ኣብ ጎኒ ፍልስጤማውያን ኾይኑ ደው ንክብሉ ውን ፃውዒት ኣቕሪቦም🙏