Sportን ፍቕርን

Sportን ፍቕርን

Share

ስፖርታዊ ዜናታት ፡ ፍቕራዊ ዛንታታትን ዕላላትን መሃሪ ጹሑፋትን ዝእንገደሉ ገዛ ኢዩ።

07/11/2022

ዕጫ ከመይ ረኺብኩሞ?

Photos from Sportን ፍቕርን's post 24/06/2022

~ውድድር ግዜ ክሮኖሜተር ቻምፕዮን ኤርትራ 2022 ብኸምዚ ተዛዚሙ ኣሎ.....

~ቢንያም ግርማይ ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ኢሊት ማለት ዓበይትን 2 ወርቂ መዳልያ ተሸላሚ ብምዃን ቻምፕዮን ውድድር ግዜ 2022 ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ…

~ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ተቀዳዳማይ ክለብ ኣዱሊስ ካብ ጁኔር ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ

~ዳናይት ፍጹም ክለብ ደንደን ናይ ኢሊት ማለት ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ተዓዋቲት ብምዃን ክልተ ወርቂ መዳልያ

~ኣርሴማ ወልደሚካኤል ተዓዋቲት ጁኔር ደቀንስትዮ ብምዃን ወርቂ መዳልያ

ንኹላትኩም ፍረ ጻዕርኹም ዝሓፈስኩም ኣትለታትና እንቋዕ ሓጎሰኩም!!

24/06/2022

🇪🇷 ቢንያም ግርማይ ሻምፕዮን ክሮኖሜትር ኤርትራ ኮይኑ!! Congratulations!!

ምንጪ: ኣፍሪካ ቪዥን ስፓርት

29/05/2022

ንመበል 14 ግዜ ጽዋእ ቻምፕዮንስ ሊግ ዝሰፍሰፈት ቻምፕዮን ላሊጋ ሪያል ማድሪድ ንኽትገልጻ ቃላት ይሓጽረካ።

Congratulation ደገፍቲ ዝዓበየት ክለብ ዓለምና ሪያል ማድሪድ!!

22/05/2022

Congratulation ደገፍቲ ሲቲ!!

ክለብ ማን ሲቲ ንሳልሳይ ዓመታ ኣካታቲላ ቻምፕዮን ኮይና፡ ሊቨርፑል ቸልሲ ቶተንሃም ተሳተፍቲ ቻምፕዮንስሊግ ዩናይትድ ኣርሰናል ኤውሮፕያን ሊግ ተሳተፍቲ።

17/05/2022

ወዲ 22 ዓመት ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዕውት 10 መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታያ ኮይኑ።

ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ግራንድ ቱር መድረኽ ዝተዓወተ።

Congratulation ቢኒ
Congratulation ኤርትራውያን
Congratulatio ሙሉእ ኣፍሪቃ

06/05/2022

~ቢንያም ግርማይ ሓገዝ ጋንታ እንተ ዝረክብን ብተጻዋታይ እንተ ዘይዕጾን ንመዋዳድርቱ ብገፊሕ ምሰዓሮም።

~ነዚ ኩሉ በዲሁ ግን ኣብ ቦኽሪ ናይ ዎርልድ ቱር ሱታፊኡ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ድሙቕ ታሪኽ ብወርቂ ቀለም ኣጺሒፉ ኣሎ።

~ ደጊም ኣብ ቅድበታዊ ውድድር ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብ ቀዳሞት ስፕሪንተራት ዓለምና'ዩ።

23/04/2022

ሓበሻ ዝበዝሑ ደገፍቲ ዝውንና ዓበይቲ ክለባት ማንቸስተርን ኣርሰናልን ሎሚ ኣብ ሎንዶን ፍላይ ኤሜረትስ ሜዳ ኣርሰናል ክፋለማ'የን፡ ፍርቂ መዓልትን ፈረቃን ብኣቋጻጽራ ምብራኣቕ ኣፍሪቃ።

ብቕዓት እዘን ክለባት ኣዝዩ ወሪዱ እኳ እንተሃለወ ንዝመጽእ ዓመት መነን ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ትሳተፍ እተፍልጥ ወሳኒት መድረኽ ስለ ዝኾነት ግን ዓቢ ህልኽ ዝረኣያ ጸውታ ክትከውን ብኣግኡ ተገሚቱ ዘሎ'ዩ።

ብዓቢኡ ከኣ ሓበሻ ደገፍቲ እዘን ክልተ ታሪኻውያን ጋንታታት ኣብ ንሓድሕዶም ብዘሪእዎ ምትህልላኽን ዕግርግርን ዝተፈለጡ'ዮም።

ግምት ናባኹም ክገድፎ ሰናይ ናይ ጸውታ ግዜ!!

13/04/2022

ትማሊ ናይ እስጳኛ
ሎሚ ናይ እንግሊዝ

ግጥም ፍርቂ ፍጻሜ ኣብ መንጎ ክለባት
እንግሊዝን እስጳኛን ኮይኑ

ዓበይቲ ክለባት እንግሊዝ ሊቨርፑልን ማንሲትን ኣብ ቀዳማይ እግሪ ብዘንጸፍኦ ዓወት ሎሚ ምሸት ክልቲኤን ማዕረ ብምውጻእ ንበነፊካን ኣትለቲኮን ገሊፈን ሓሊፈን።

ኣማን ብኣማን ላሊጋን ፕሪሜርሊግን ዝዓበየ ሊጋት ዓለምና።

Photos from Sportን ፍቕርን's post 12/04/2022

እስጳኛውያን ክለባት ማድሪድን ቪላ ሪያልን ን ዓበይቲ ክለባት ቸልስን ባየርሙኒኽን ኣውዲቐን ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ሰጊረን።

ኩሉ ትንግርቲ'ዩ ንዓርሞሽሽ ክለብ ባየር ሙኒኽ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፡ ምልሶት ማድሪድ ካብ 3-0 ተመሪሕካ ማሕላፍን።

ኩዕሶ እግሪ እንታይ ይሰኣኖ!!

01/04/2022

ዕጫ ዋንጫ ዓለም 2022 ቀጠር ድሮ ወዲቚስ ከምዚ ኣብ ታሕቲ እንዕዘቦ ዘለና ተዳላዲለን ኣለዋ።

ሕቶ፡ ምድብ ሞት ኣየናይ ምድብ'ዩ ንዓኻ/ኺ?

27/03/2022

ኣማጻጽኣ ቢንያምን ብቅዓቱን ቁልጡፍ ምዕባሊኡን ሪኢኻ ሓደ መዓልቲ ናይ መድረኽ ክዕወት ምዃኑ ርግጸኛ ኔረ፡ ግን ኣመና ቀልጢፉ ንዓና ጥራይ ዘይኮነን ንዓለም ውን ኣደንጻዊ ምዕባለን ዓወትን ቢንያም ግርማይ።

ነታ ዝሃደመት ጉጅለ ከም ዝስዕራ ሕጂ ውን ሩጉጽ ኔረ ዓባይ ጉጅለ ከይትበልዖም ግን ስክፍታ ኔርኒ።

ግዜ ሓልዩ ኣስተብሂሉ ዝወሰዶ ውሳኔ ንቢንያም ወላ ብተመኩሮ ከም ዝበሰለ ይስወጠካ።

Congratulatiom ቢንያም ግርማይ ኣርሓ ዓለም ጸሊም ኣፍሪቃዊ!!

Want your business to be the top-listed Gym/sports Facility in Khartoum?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Category

Telephone

Address


Khartoum
249